Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ጾር ብዛዕባ ግብጺ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብቕልጡፍ ደበና ይወጽእ፡ ናብ ግብጺውን ይመጽእ፡ ጣኦታት ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፡ ልቢ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኺመክኽ እዩ። ንግብጻውያን ኣብ ግብጻውያን ከተንስኦም እየ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ሓው፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ፡ ከተማ ምስ ከተማ፡ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኺዋጋእ እዩ። መንፈስ ግብጺ ኣብ ውሽጡ ጥራዩ ኪኸውን እዩ፡ ንምኽሩ ድማ ከንቱ ኽገብሮ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንጣኦታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ኪሐቱ እዮም። ንግብጻውያን ናብ ኢድ ደረቕ ጐይታ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ጨካን ንጉስ ድማ ኪገዝኦም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ማያት ካብ ባሕሪ ኺጠፍእ፡ ርባውን ነጺፉ ኺነቕጽ እዩ። ርባታት ኪጽይእ፡ መሳኑ ግብጺ ኺውሕድን ኪደርቕን እዩ፡ ሰልሰላን ጋሳን ኪጽምልው እዮም። ሸኻታት ኒል፡ ገምገመ ገምገም ኒል ዘሎን፡ ኣብ ጥቓ ኒል ዚዝራእ ዘበለን ኪሀጒጒ፡ ኪጠፍእ ኣይኪርከብን ድማ እዩ። ገፈፍቲ ዓሳ ኼስቈርቊሩ፡ እቶም ኣብ ኒል መቚለብ ዚድርብዩ ዂሎም ኪሐዝኑ፡ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዚዝርግሑ ድማ ሕሊናኦም ኪዐርብ እዩ። እቶም ዓየይቲ እተባዘተ ቓንጫ እንጣጢዕን እቶም ኣለምቲ ጻዕዳ ኽዳውንትን ኪሐፍሩ እዮም። ኣዕኑዳ ኺስበሩ፡ እቶም ብዓስቢ ዚዐዩ ዂሎምውን ኪጒህዩ እዮም። መሳፍንቲ ጾኣን ኣዝዮም ዐሸው፡ ምኽሪ እቶም ጥበበኛታት መኸርቲ ፈርኦንሲ ዕሽነት ኰነ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርኦን፡ ኣነ ወዲ ጥበበኛታት፡ ወዲ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት እየ፡ እትብልዎ፧ እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለው፧ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብናይ ግብጺ ዝመደቦ እንታይ ከም ዝዀነ ይፍለጡ እሞ እስከ ይንገሩኻ። መሳፍንቲ ጾኣን ዐሽዮም፡ መሳፍንቲ ኖፍ ተጠቢሮም፡ ንግብጺ እቶም እምኒ መኣዝን ዓሌታታ ኣጋገይዋ። እግዚኣብሄር መንፈስ ዝርግርግ ኲዕዩላ፡ ስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ከም ዚብል፡ ንግብጺ ኣብ ኲሉ ተግባራ ኣጋገይዋ። ዝዀነ ዕዮ፡ ርእሲ ወይስ ጭራ፡ ስየ ወይስ ሰቲ ዚገብሮ፡ ንግብጺ ኣይኪጠቕማን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግብጺ ኸም ኣንስቲ ኽትከውን እያ፡ ብምውጥዋጥ እታ እተወጣውጠላ ኢድ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ራዕራዕ ክትብልን ክትስምብድን እያ። ሃገር ይሁዳ ኸኣ ንግብጺ መሰክሒ ኽትኰና እያ። ነፍሲ ወከፍ ንእኣ ዘዘክርዎ ኸኣ ብምኽንያት እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊኣ መዲብዎ ዘሎ ምኽሪ ኺሽበር እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ቛንቋ ኸንኣን ዚዛረባ፡ ብእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ዚምሕላ ሓሙሽተ ኸተማ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺርከባ እየን፡ ሓንቲኤን ኢር-ሄሬስ ክትበሃል እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ መሰውኢ ንእግዚኣብሄር፡ ኣብ ወሰና ኸኣ ዓንዲ ንእግዚኣብሄር ኪትከል እዩ። እዚ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ግብጺ ምልክትን ምስክርን ኪኸውን እዩ። ብምኽንያት እቶም ጨቈንቶም ናብ እግዚኣብሄር ኪጠርዑ እዮም እሞ፡ ንሱውን መድሓንን ተኻላኻልን ኪሰደሎምን ኬናግፎምን እዩ። እግዚኣብሄር ርእሱ ንግብጺ ኺገልጸላ እዩ፡ ግብጻውያን ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ኪፈልጥዎ እዮም፡ ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ብልዕን ኬገልግልዎ፡ ንእግዚኣብሄር ብመብጽዓ ኺማባጽዑሉ ኺፍጽምዎ ኸኣ እዮም። እግዚኣብሄር ንግብጺ ኺወቕዓ፡ ኪወቕዓ እሞ ኪፍውሳ እዩ። ንሳቶም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኪምለሱ እዮም፡ ንሱ ኺልመነሎምን ኪፍውሶምን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጽርግያ ካብ ግብጺ ናብ ኣሶር ክትከውን እያ፡ ኣሶራውያን ናብ ግብጺ፡ ግብጻውያን ከኣ ናብ ኣሶር ኪመጹ እዮም። ግብጻውያን ድማ ምስ ኣሶራውያን ኬምልኹ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል ንግብጺን ንኣሶርን ሳልሳዮም፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ በረኸት ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ፡ ግብጺ ህዝበይን ኣሶር ግብሪ ኢደይን እስራኤል ርስተይን ብሩኻት ኩኑ፡ ኢሉ ኺባርኾም እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ርእሱ ንግብጺ ኺገልጸላ እዩ፡ ግብጻውያን ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ኪፈልጥዎ እዮም፡ ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ብልዕን ኬገልግልዎ፡ ንእግዚኣብሄር ብመብጽዓ ኺማባጽዑሉ ኺፍጽምዎ ኸኣ እዮም። እግዚኣብሄር ንግብጺ ኺወቕዓ፡ ኪወቕዓ እሞ ኪፍውሳ እዩ። ንሳቶም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኪምለሱ እዮም፡ ንሱ ኺልመነሎምን ኪፍውሶምን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጽርግያ ካብ ግብጺ ናብ ኣሶር ክትከውን እያ፡ ኣሶራውያን ናብ ግብጺ፡ ግብጻውያን ከኣ ናብ ኣሶር ኪመጹ እዮም። ግብጻውያን ድማ ምስ ኣሶራውያን ኬምልኹ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል ንግብጺን ንኣሶርን ሳልሳዮም፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ በረኸት ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ፡ ግብጺ ህዝበይን ኣሶር ግብሪ ኢደይን እስራኤል ርስተይን ብሩኻት ኩኑ፡ ኢሉ ኺባርኾም እዩ።
Translation | Contextሬሳታቶም ከኣ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም እተሰቕለላ፡ ብመንፈሳዊ ሓሳብ ከኣ ሰዶምን ግብጽን እትብሀል ዓባይ ከተማ ኺተርፍ እዩ።
Translation | Contextእንሆ፡ በቲ ስቡር ምርኩስ ወምብቆ፡ ብግብጺ፡ ትውከል አሎኻ። ሰብ እንተ ተመርኰሶ፡ ኣብ ኢዱ ይኣቱ እሞ የንኲሎ። ፈረኦን ንጉስ ግብጺ ኸኣ ነቶም ዚውከልዎ ዂሎም ከምኡ እዩ።
Translation | Contextንሱ ብባሕሪ ጸበባ ኺሐልፍ፣ ንማዕበላት ኣብ ባሕሪ ኺወቕዖ እዩ፣ ኵሉ መዓሙቝ እቲ ርባ ኸኣ ኪነጽፍ እዩ። ትዕቢት ኣሶር ኪዋረድ፣ ዘንጊ ግብጺውን ኪርሕቕ እዩ።
Translation | Contextእታ ዓመት እቲኣ ምስ መልኤት ከኣ፡ በታ ኻልአይቲ ዓመት ናብኡ መጺኦም፡ ገንዘብ ከም እተወድኤ፡ ንጐይታ ኣይንሐብኣሉን፡ እተን መጓሴታት ማል ድማ ምስ ጐይታይ ኣለዋ። ብጀካ ነፍስናን ምድርናን ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ገለኳ ኣይተረፈን። ከመይ ንሕናን ምድርናን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እንመውት፧ ንኣናን ንምድርናን ብእንጌራ ተሻየጠና። ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርኦን ንኹን። ምእንቲ ኽንነብር እምበር፡ ከይንመውት፡ እታ ሃገር ከኣ ኸይትባድምሲ፡ ዘርኢ ሀበና፡ በልዎ። ግብጻውያን፡ ጥሜት ስለ ዝበርትዖም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ገግራቶም ሸጡ እሞ፡ ዮሴፍ ኲላ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦን ክትከውን ተሻየጣ፡ እታ ምድሪ ድማ ናይ ፈርኦን ኰነት። ነቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ካብታ ሓንቲ ወሰን ዶብ ግብጺ ኽሳዕ እታ ኻልአይቲ ወሰና፡ ናብ ከተማታት ኣግዐዞ። እቶም ካህናት ካብ ፈርኦን ምዱብ ግደ ነበሮም እሞ፡ እቲ ፈርኦን ዝሀቦም ግደ ስለ እተመገቡ፡ ምድሮም ኣይሸጡን፡ ስለዚ ንምድሪ ኻህናት ጥራይ ኣይተሻየጣን። ዮሴፍ ከኣ ንህዝቢ፡ እንሆ፡ ሎሚ ንኣኻትኩምን ንምድርኹምን ንፈርኦን ተሻይጠኩም እየ። እንሆልኩም ከኣ ዘርኢ፡ ነታ ምድሪ ዝርእዋ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ብጊዜ እቶቱ ሕምሻ ንፈርኦን ክትህቡ ኢኹም፡ ኣርባዕተ ኣፍ ከኣ ንኣኻትኩም። ንሱ ንዘርኢ ግራትን ንቐለብኩምን ኣብ ቤትኩም ንዘለውን ንቐለብ ቈለውዕኩምን ኪኸውን እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ንስኻ ኣድሐንካና፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ደኣ ሞገስ ንርከብ እምበር፡ ባሮት ፈርኦን ንኸውን፡ በሉ። ዮሴፍ ከኣ ነዚ፡ ብዛዕባ ምድሪ ግብጺ ሕምሻ ንፈርኦን ኪኸውን፡ ክሳዕ ሎሚ ዘሎ ሕጊ ኣቘመ። ምድሪ ኻህናት በይና ጥራይ ንፈርኦን ኣይኰነትን።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ እቲ ርባ ኤፍራጥስ፡
Translation | Contextእቶም ረዲኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱ፡ እምንቶኦም በፍራስ ዚገብሩ፡ ኣብ ዓረብያታት፡ ብዙሓት ስለ ዝዀና፡ ኣብ ፈረሰኛታት ድማ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀኑ፡ ዚውከሉ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱን፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይደልይዎን።
Translation | Contextኣብ ዓስረይቲ ዓመት፣ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጻኒ፣ ኣታ ውዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቢልካ ምለስ። ኣብ ሎሊኡን ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጽን ከኣ ተነበ፡ ተዛረብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ንገር፡ ኣታ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ኣብ ማእከል ርባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፡ ንስካ፡ እቲ ርባይ ናተይ እዩ፡ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎ፡ እትብል ዘሎኻ፡ እኔኹ ተለዐልኩኻ። ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር፣ ንዓሳታት ርባታት ድማ ኣብ ቅራፍካ ኸጥብቖም እየ፣ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ቅራፍካ ጠቡቑ ዘሎ ዓሳ ኸኣ ካብ ማእከል ርባታትካ ኸውጽኣካ እየ። ንኣኻን ንዅሉ ዓሳ ርባታትካን ኣብ በረኽ ኽድርብየካ፣ ኣብ መሮር ክትወድቕ፣ ኣይክትእረን ኣይክትእከብን ኢኻ፣ ኣነ ንኣራዊት ምድርን ነዕዋፍ ሰማይን ምግቢ ገይረ ወፌኹኻ። እቶም ኣብ ግብጺ ዚነብሩ ዅሎም ንቤት እስራኤልሲ ምርኵስ ሻምብቆ ዀይኖምዎም እዮ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ብኢዶም እንተ ሐዙኻ፣ ተሰበርካ፣ ንኵሉ መንኵቦም ከኣ ወጋእካ፣ እንተ ተጸጎዑኻ ተሰባበርካ ብጐድኖም ድማ ሰንከል ኣበልካዮም። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ሰይፊ ኣብ ሎሌኻ ኸምጽኣልካ፣ ሰብን እንስሳን ድማ ካባኻ ኸጽንቶም እየ። እቲ ርባ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኸኣ እየ ዝገበርክዎ፣ ኢሉ እዩ እሞ፣ ሃገር ግብጺ በረኻን ምድረ በዳን ክትከውን እያ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኪፈልጡ እዮም። ስለዚ እኔኹ፣ ኣባኻን ኣብ ርባታትካን ክለዐለካ፣ ንሃገር ግብጺ ኻብ ሚግዶል ክሳዕ ሴኔ ኽሳዕ ዶብ ኢትዮጵያ ኸኣ ምድረ በዳን በረካን ክገብራ እየ። እግሪ ሰብ ብእእ ኣይኪሐልፍን፣ እግሪ እንስሳ ብኣእ ኣይኪሐልፍን እዩ፣ ነርብዓ ዓመትውን ዚነብራ የብላን። ንሃገር ግብጺ ኣብ ማእከል እተን ዝባደማ ሃገራት በረኻ ኽገብራ እየ። ከተማታታ ድማ ኣብ ማእከል እተን ዝፈረሳ ከተማታት ነርብዓ ዓመት በረኻ ኪዀና እየን። ንግብጻውያን ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ኣብ ኵሉ ሃገራትውን ክዘርዎም እየ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ነቶም ግብጻውያን ካብ ማእከል እቶም ተዘርዮምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክኣካኽቦም እየ። ንምርኮ ግብጺ ክመልሶም፣ ናብታ እተወልዱላ፣ ናብ ሃገር ጳጥሮስ ክመልሶም እየ። ኣብኣውን ለጠቕ ዝበለት መንግስቲ ኪዀኑ እዮም። ካብ ካልኦት መንግስትታት ለጠቕ ክትብል፣ መሊሳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኣይክትዕበን እያ። መሊሶም ኣብ ህዝብታት ከይገዝኡስ፣ ከውሕዶም እየ። ድሕርዚ ቤት እስራኤል ብኣታቶም ይኪእመኑን እዮም፣ ናባታቶም ቍሊሕ እንተ በሉ ግና፣ ኣሰባኦም ከዘክርዎም እዮም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም። ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመት፣ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቡካድነጾር ንጉስ ባቢሎን፡ ንጢሮስ ኪሕዝ ኢሉ፡ ንጭፍራኡ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣጽዐሮም። ርእሲ ዘበለ ነዂዑ፡ መንኲብ ዘበለ ተመሊጡ፡ ግናኸ በቲ ንጢሮስ ኪሕዝ ኢሉ ዝጸኦአሮ ጻዕሪ ንሱ ወይስ ጭፍራኡ ገለ ደመወዝ እኳ ኣይረኸቡን። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ንነቡካደነጾር ንጉስ ባቢሎን ሃገር ግብጺ ኽህቦ እየ። ንሱ ሃብታ ኺወስድ፣ ዚዝረፍ ኪዝርፍ፣ ዚዝመት ከኣ ኪዘምት እዩ፣ እዚ ድማ ንጭፍራኡ ደመወዝ ኪኸውን እዩ። ንኣይ እዮም ዝገበርዎ እሞ፣ ጻማ ጻዕሩ ሃገር ግብጺ ሀብክዎ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል፣ ንኣካ ድማ ኣብ ማእከሎም እተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
Translation | Contextኣነ ኸኣ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ጽያፍ ዓይኑ ይደርቢ፣ ብጣኦታት ግብጺ ድማ ኣይትርከሱ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፣ በልክዎም።
Translation | Contextኣብ ወሰን ጋድ ድማ ካብ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ወሰኑ ኻብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ ክሳዕ እቲ ርባ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይኹን።
Translation | Contextሙሴ ድማ ኲሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፡ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዔ።
Translation | Context