Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዩኣ ብህይወት ምንባር እዩ እሞ፡ ጥበብ ከም ርስቲ ጽብቕቲ እያ፡ ኤረ ነቶም ጸሓይ ዚርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ።
Translation | Contextካብ ምጥራይ ወርቂ ክንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሐልዋውን፡
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቀውም እዩ።
Translation | Contextኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን፡ ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ እናተዛረብኩም፡ ንደቅኹም ምሀርዎም።
Translation | Contextልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪ፡ እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ።
Translation | Contextመጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextንጠቢብ ትምህርቲ ሀቦ እሞ ወሲኹ ኺጠብብ፡ ንጻድቕ ምሀሮ እሞ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።
Translation | Contextከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።
Translation | Contextንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም ፍልጠት፣ ብዅሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሀቦም። ዳንኤል ድማ ኵሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል ነበረ።
Translation | Contextሕጂ ኸኣ ኪድ፡ ኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኸምህረካ እየ፡ በሎ።
Translation | Contextጠቢባንሲ ፍልጠይ ይእርንቡ፡ ኣፍ ዓሻ ግና ናብ ጥፍኣት ቀረባ እዩ።
Translation | Context