Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ደም ከይትበልዕ ጥራይ ጽናዕ፡ እቲ ደም ነፍሲ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ምስ ስጋ ኣይትብላዕ።
Translation | Contextነፍሲ ዂሉ ስጋስ፡ ንሱ እቲ ኣብ ነፍሱ ዘሎ ደሙ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንደቂ እስራኤል ከኣ፡ ናይ ዝዀነ ስጋ ደም ኣይትብልዑ፡ በልክዎም። ናይ ኲሉ ስጋ ነፍሲ ደሙ እዩ እሞ፡ ዝበልዖ ዘበለ ኺምንቈስ እዩ።
Translation | Contextግናኸ ስጋ ምስ ነፍሱ፡ እቲ ደሙ፡ ኣይትብልዕዎ።
Translation | Contextካብ ቀዳሞት ወለዶ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ዚሰብክዎ አለዉዎ እሞ፡ ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ደኣ ኪኽልከሉ፡ ንልኣኸሎም እምበር፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም ይርኣየና አሎ።
Translation | Contextእዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን፥ ስብሒ ዘበለን ደም ዘበለን ኣይትብልዑ።
Translation | Contextድማ ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖት፡ ደም ዘበለ እንተ በልዔ፡ ነታ ደም ዝበልዔት ነፍሲ ገጸይ ናብኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ ማእከል ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ።
Translation | Contextብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ።
Translation | Contextደም ግና ኸም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዑ።
Translation | Contextበሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንዲዚ ደናቝርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ዅሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንዅሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዚወጽእ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም።
Translation | Contextነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ጸዊዑ፡ ኵልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን። ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚአቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ።
Translation | Contextእምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።
Translation | Contextንስኻስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ገለ ሕሉቕ ኣይትብልዑ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ንዘሎ ስደተኛ ሀቦ፡ ንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጦ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፡ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ። ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ፡ ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም እሞ፡ እቲ ኸውሒ እቲ ኸም ክርስቶስ እዩ። ካባታቶም እቶም ዚበዝሑ ግና ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን፡ ስለዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ። እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀነልና። እምብኣርከ፡ እቲ ህዝቢ ኺበልዕን ኪሰትን ተቐመጠ ኺሰሐቕውን ተንስኤ፡ ዚብል ከም እተጻሕፈ፡ ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር። ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ፡ ንክርስቶስ ኣይፈትኖ። ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም፡ ኣይነዕዘምዝም። እዚ ዂሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ። ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። ፍቁራተየ፡ ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ። ከም ነስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። ንእስራኤል እማ ብስጋ ጠምቱ፡ እቶም ካብ መስዋእቲ ዚበልዑስ ምስቲ መሰውኢዶ ሕብረት የብሎምን እዮም፧ እንታይከ እብል አሎኹ፧ ንጣኦታት እተሰውኤዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይ ጣኦታዶ ገለ ነገር እዩ፧ ኣይፋሉ፡ ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን። ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ። ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ። ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ኸነቕንኦ ዲና፧ ካብኡዶ ንሕና ንብርትዕ፧ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይሃንጽን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ። ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ጸውዓኩም እሞ ክትከዱ እንተ ደሌኹም፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ዂሉ ብልዑ። ገለ፡ እዝስ ንጣኦታት እተሰውኤ እዩ፡ እንተ በለኩም ግና፡ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ። ማለት፡ ሕሊና ብጻይካ ደኣ እምበር፡ ሕሊና ርእስኻ ኣይበልኩን። ስለምንታይከ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዚፍረድ፧ ኣነ ብምስጋና ኻብ ዝምቀሎ ደኣ፡ ስለምንታይ በቲ ዘመስግነሉ ዝጽረፍ፧ እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ ኤሐጒስ አሎኹ።
Translation | Contextካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዝህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፡ ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧
Translation | Contextነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፡ ነታ ነፍሲ ዜተዐርቓ እቲ ደም እዩ እሞ፡ ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ኬተዐርቕ ኢለ ሀብኩኹም።
Translation | Context