Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ካልኦትውን ምሳታተን ኣንጊሄን ናብቲ መቓብር መጻ። እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተገልቢጡ ረኸባኦ። ኣብኡ ኣትየን ከኣ ስጋ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን። ኰነ ድማ፡ ብዛዕባዚ ኺግረማ ኸለዋ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ። ፈሪሄን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶም፥ ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ አሎኽን፡ ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሃብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን። ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ። ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዅሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኵሎምን ነገራኦም። እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን። እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን። ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ። ድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረአየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ።
Translation | Contextእቲ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፡
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextምስ ሐዞ ኸኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኼውጽኦ ድልዩ፡ በበርባዕተ ዀይኖም ኪሕልውዎ ነርባዕተ መደብ ዓቀይቲ ኣሕሊፉ ሀቦ።
Translation | Contextግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ።
Translation | Contextንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅዱስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡
Translation | Contextእግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንጐይታ ጐይተት ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ በይኑ ዓብዪ ተኣምራት ዝገበረ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ በእምሮ ንሰማያት ዝገበረ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዘርግሓ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ዓበይቲ ብርሃናት ዝገበረ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንጸሓይ ብመዓልቲ ዘሰልጠነ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንወርሕን ከዋኽብትን ብለይቲ ዘሰልጠነ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንግብጺ ብበዅሮም ዝወቕዔ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ከኣ ካብ ማእከሎም ዘውጽኤ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቐለ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ከኣ ብማእከላ ዘሕለፈ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንፈርኦንን ሰራዊቱን ድማ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዘጥሐለ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንህዝቡ ብበረኻ ኣቢሉ ዝመርሔ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንዓበይቲ ነገስታት ዝወቕዖም፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንስልጡናት ነገስታት ከኣ ዝቐተለ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንሲሆን፣ ንጉስ ኣሞራውያን፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኦግ ንጉስ ባሳን ድማ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ምድሮምውን ንርስቲ ዝሀበ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ባርያኡ ዘረስተየ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ኣብ ውርደትና ዝዘከረና፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ካብ መጥቃዕትና ኸኣ ዘናገፈና፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ንዅሉ ስጋ ዚምግብ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ።
Translation | Contextኣፍካ መሊእካ ጨድር፡ ኣይተቛርጽ፡ ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። ኣብ ጸጽባሕ ይደልዩኒ፡ መገድታተይ ኪፈልጢ ድማ ይፈትው። ከምቲ ጽድቂ ዚገብርን፡ ሕጊ ኣምላኹ ዘይሐደገን ህዝብስ፡ ሕጊ ጽድቂ ኻባይ ይደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡውን ይፈትው። ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻን፧ ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ፧ እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም አሎኹም። እንሆ፡ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ኢኹም እትጾሙ። ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም። እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ፧ ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፡ ክሻን ሓመዂስትን መንጸፍካ ምግባርን፡ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ፧ እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧ እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን፧ ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ኪብል እዩ። ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ ካብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፡ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወጽእ፡ ጸልማትካውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ። ደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዐነወ ኺነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ። ብሰንበት፡ በታ ቅድስቲ መዓልተይ ከም ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፡ እግርኻ እንተ ዘሐጥካ፡ ንሰንበት ከኣ ደስታ፡ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ድማ ክብርቲ ኢልካ እንተ ሰሜኻያ፡ እንተ ኣኽበርካየ፡ መገዲ ርእስኻ ድማ እንተ ዘይከድካ፡ ፍቓድ ርእስኻ እንተ ዘይገበርካ፡ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛረብካ፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ኪብለካ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደይበካ፡ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዓካ እየ።
Translation | Contextእዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ናኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ዄንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል፧ ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም።
Translation | Contextበታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረአየቶ። ስለዚ ንሳ ጐይያ፡ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፥ ንጐይታና ካብ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን በለቶም። ጴጥሮስን እቲ ሓደ ወደ መዝሙርን ከኣ ወጹ፡ ናብቲ መቓብርውን ከዱ። ክልቲኣቶም ብሓንሳእ ጐየዩ እሞ እቲ ሓደ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀደሞ፡ ኣብቲ መቓብርውን ቅድም በጽሔ። ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸኣ፡ ኣብኡ መጋንዝ ረአየ፡ ግናኸ ኣይኣተወን። ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡ፡ ናብቲ መቓብር ኣተወ ነቲ መጋንዝውን ተነቢሩ ረኣዮ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መኣረምያ ኸኣ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ መጋንዝ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ ኣተወ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ይግብኦ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ግና ኣየስተውዐልዎን ነበሩ እሞ፡ ርእዩ ኣመነ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቤቶም ተመልሱ። ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ፡ ኣብቲ ስጋ የሱስ ዝነበሮ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽ፡ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ብትርጋጽ፡ ረአየት። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ አሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን፡ በለቶም። እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንየሱስ ደው ኢሉ ረአየቶ። የሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። የሱስ ከኣ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብኪየኪ አሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ አሎኺ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፥ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእስራይስጢ፥ ረቡኒ፦ ትርጕሙ መምህረይ ማለት እዩ። የሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ፡ በልዮም፡ በላ። ማርያም መግደላዊት፡ ንጐይታ ኸም ዝረአየቶን እዚውን ከም ዝበላን፡ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም።
Translation | Contextድሕሪ ሰንበት፡ ወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን መቓብር ኪርእያ መጻ። እንሆ፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ። ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ። እቶም ሓለውቲ ንእኡ ፈሪሆም ራዕራዕ በሉ፡ ከም ዝሞቱውን ኰኑ። እቲ መልኣኽ መሊሱ ነተን ኣንስቲ በለን፡ ንስኻትኽሲ ነቲ እተሰቐለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ። ከምቲ ዝበሎ፡ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራ፡ ንዕነ ርኣያ። ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም። እንሆ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነገርኩኽን። ካብቲ መቓብር ብፍርሃትን ብብዙሕ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ጐየያ። ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራ ኪኸዳ ኸለዋ፡ እንሆ፡ የሱስ ተጓነፈን፡ ከመይ ኢኽን፡ ከኣ በለን። ንሳተን ቅርብ ኢለን፡ እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ። ሽዑ የሱስ፡ ኣይትፍርሃ ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፡ ኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም፡ በለን። ንሳተን ምስ ከዳ፡ እንሆ፡ ሓያሎ ኻብ ሓለውቲ ናብ ከተማ መጺኦም፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም። ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ተማኸሩ፡ ነቶም ዓቀይቲ ኸኣ ብዙሕ ወርቂ ሀብዎም እሞ፡ ብለይቲ ደቂስና ኸሎና፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ፡ ኢልኩም ንገሩ። እዚ ኣብቲ ሹም እንተ ተሰምዔ፡ ንሕና ኸነረድኦ፡ ንኣኻትኩም ድማ ከም ዘይትጕህዩ ኽንገብረኩም ኢና፡ በልዎም። እቲ ወርቂ ተቐቢሎም፡ ከምታ ዝመሀርዎም ገበሩ። እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ አሎ። እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ናብቲ የሱስ ዝኣዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ። ምስ ረአይዎ፡ ሰገድሉ። ገሊኦም ግና ተወላወሉ። የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።
Translation | Contextሰንበት ምስ ሐለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዓደጋ። ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ፡ ናብ መቓብር መጸ። ንሓድሕደን ከኣ፡ እቲ እምንስ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ኪግልብጠልና እዩ፧ ተባሃሃላ። እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ ነበረ እሞ፡ ንላዕሊ ገጸን እንተ ጠመታ፡ ተገልቢጡ ረኣያ። ናብ መቓብር ኣትየን፡ ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ በጽሒ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ፡ ሰምበዳ ኸኣ። ንሱ ድማ፥ ኣይትሰምብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ አሎኽን። ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ፡ እንሃ። ኪዳ ደኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ከምታ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ ኢልክን ንገራኦም፡ በለን። ምንቅጥቃጥን ስምባድን ሒዝወን ነበረ እሞ፡ ካብ መቓብር ወጺኤን ሃደማ። ፈሪሄን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን።
Translation | Contextኣነ ምእንትኦም እልምን አሎኹ። ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ።
Translation | Contextትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዚሐልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእ። ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ስጋ ይትንስእ። ነፍሳኣዊ ስጋ ኻብ ዚህሉ፡ መንፈሳዊ ስጋውን አሎ።
Translation | Contextንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።
Translation | Contextገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ።
Translation | Contextኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን፡ ነገስታት ይሁዳ፡ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይ። እግዚኣብሄር ይዛረብ አሎ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ስምዑ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ጽን በሊ፡ ንውሉድ ኣዕቤኽዎምን ኣልዐልክዎምን፡ ንሳቶም ድማ ካባይ ዐለው። ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ፡ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን፡ ህዝበይውን ኣየስተውዕልን እዩ። ሓጥእ ዓሌት፡ በደል እተጻዕነ ህዝቢ፡ ዘርኢ ገበርቲ እከይ፡ ጥፉኣት ውሉድ ወይለኦም። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖም፡ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ። ምዕላው እናወሰኽኩም ካብ እትኸዱስ፡ ንምንታይ ደኣ እትውቅዑ፡ ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ። ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን፡ ኣቚሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ። ሃገርኩም ባዲማ፡ ከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን፡ ንግርሁኹም ጓኖት ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዎ፡ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ኸኣ ባደመት። ጓል ጽዮን ድማ ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ከም ጎጆ ኣብ ግራት ብርጭቕ፡ ከም እተኸበት ከተማ ዀይና ተሪፋ አላ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ገለ ሒደት ትርፊ እንተ ዘይሐድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ ምመሰልና ኔርና። ኣቱም ሓላቑ ሶዶም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ። ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ ብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ አሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ። ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም፧ ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡ፡ ዕጣን ንኣይ ፍንፋን እዩ፡ ስርቂ ወርሕን ሰንበትን፡ ኣኼባ ማሕበር፡ ንኣበሳ ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ። ንስርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ አላ፡ ጾር ኰይኑኒ፡ ምስካሙ ስኢነ አሎኹ። ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን። ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ። ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ። ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተአዘዝኩምንሲ፡ ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም። ግናኸ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምን፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትወሐጡ ኢኹም። እታ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኢላ ኣመንዝራ ዀነት። ቅንዕና ዝመልኣ፡ ጽድቂ ዝሐደራ ነበረት፡ ሕጂ ግና ማሕደር ቀተልቲ ነፍሲ ዀነት። ብሩርኪ ርስሓት ኰይኑ፡ ወይንኺ ማይ ተዘሊሉ። መሳፍንትኺ ሽፍታታትን ኣዕሩዂ ጐሓሉትን እዮም። ኲሎም ምቕባል ደርሆ ይፈትው፡ ደድሕሪ ኻሕሳ ይጐይዩ። ንዘኽታም ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፡ ነገር መበለት ከኣ ኣባታቶም ኣይበጽሕን እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ናይ እስራኤል ስልጡን፡ ከምዚ ይብል፡ ኲራይ ኣብ ተጻረርተይ ከዝሕል፡ ንጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ንኢደይ ድማ ኣባኺ ኽመልሳ፡ ንሓርኢ ሓጺንኪ ኸኣ ኣጸቢቐ ኸጸጺ፡ ንዂሉ ቖርቆሮኺውን ክድርብዮ እየ። ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፡ ንመኸርትኺ ድማ ከምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ደሓር ከተማ ጽድቂ፡ እምንቲ ኸተማ ኽትስመዪ ኢኺ። ጽዮን ብፍርዲ፡ እቶም ምሉሳታ ኸኣ ብጽድቂ ኺድሕኑ እዮም። ግናኸ ከሓዶን ሓጥኣንን ብሓደ ኺስበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ዝሐደጉውን ጥራስ ኪጠፍኡ እዮም። በቲ ዝፈቶኹምዎ ኣእዋም ክትሐንኩ፡ በቲ ዝመረጽኩምዎ ኣታኽልቲ ኽትሐፍሩ ኢኹም። ቈጽሉ ኸም ዝጸምለወ ኦምን፡ ማይ ከምዜብሉ ኣታኽልትን ክትኰኑ ኢኹም እሞ፡ እቲ ሓያል ከም እተባዘተ ቓንጭ እንጣጢዕ፡ ዕዮኡ ድማ ከም ቊልዒ ኪኸውን እዩ፡ ክልቲኣቶም ብሓደ ኺነዱ እዮም፡ ዜጥፍእ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።
Translation | Contextግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ አሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን።
Translation | Contextነዚ ምስክርና መን ኣመኖ፧ ቅልጽም እግዚኣብሄርከ ንመን ተጋህደሉ፧ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበ። መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ። መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጾ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሐሰቦ፧ ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። እከይ ዘይገበረ፡ ሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ። እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወ። ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ። ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕ፡ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ። ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅል እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ።
Translation | Context