Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ንዘለአለም ከይትናወጽሲ፣ ንምድሪ ኣብ መሰረታ አጽንዓ።
Translation | Contextንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡ ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ።
Translation | Contextንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖ፡ መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ።
Translation | Contextድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
Translation | Contextኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹን፡ በለ። ብርሃን ድማ ዀነ። ኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ። ኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓንቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን፡ በለ። ኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፡ ከምኡውን ኰነ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ካልአይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉ፡ ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤት። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳልሰይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹን፡ ንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን። ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥን፡ ከዋኽብቲውን ገበረ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑ፡ ንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፈልዩ፡ ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ራብዐይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ድማ፥ ፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓ፡ ኢሉ ባረኾም። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓምሰይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ፡ በለ። ከምኡውን ኰነ። ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም። ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም። ንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳድሰይቲ መዓልቲ።
Translation | Contextእቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ።
Translation | Contextእቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ፡ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ብጀካይውን ካልእ የልቦን።
Translation | Contextንዘለአለም ከይትናወጽሲ፣ ንምድሪ ኣብ መሰረታ አጽንዓ። ከም ብልብሲ ብመዓሙቚ አልበስካያ፣ ማያት ኣብ ልዕሊ አኽራን ቈሙ። ብመግናሕትኻ ሀደሙ፣ ብድምጺ ነጐድጓድካ ቐልጢፎም ከዱ። አብቲ ዝመደብካሎም ቦታ ኣኽራን ልዕል በሉ፣ ለሴታትውን ለጠቕ በሉ። ተመሊሶም ንምድሪ ኸይከድንዋስ፣ ዘይሐልፍዎ ደረት ወሰንካሎም።
Translation | Contextሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ።
Translation | Contextድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። እዚኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብር፡ ኵሉውን ከም ክዳን ኪበሊ እዩ። ከም ዓለባ ድማ ክትጥቕልሎ ኢኻ፡ ኪልወጥውን እዩ፡ ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ኣይኪውድኣን እየን፡ ይብል።
Translation | Contextኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።
Translation | Contextከምቲ ኣነ ዝገብሮ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብ ቅድመይ ዚነብር፡ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኪነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextኣዕኑድ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንዓለም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ እዩ እሞ፡ ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ ኣተንሲኡ፡ ነቲ ድኻውን ካብ ጐዱፍ ኣልዒሉ፡ ምስ መኳንንቲ የቐምጦም፡ ዝፋን ክብሪውን የውርሶም።
Translation | Contextወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፡ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም።
Translation | Contextሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፣ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም።
Translation | Contextኣዒንትኹም ናብ ሰማያት ቊሊሕ ኣብሉ፡ ታሕቲ ገጽኩም ከኣ ናብ ምድሪ ጠምቱ፡ እንሆ፡ ሰማያት ከም ትኪ ኺበኑ እዮም፡ ምድሪ ድማ ከም ክዳን ክትበሊ እያ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩውን ከምኣ ኺሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ኪነብር፡ ጽድቀይውን ኣይኪስዐርን እዩ።
Translation | Context