Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።
Translation | Contextሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሃል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ።
Translation | Contextሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።
Translation | Contextዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም። ንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡
Translation | Contextሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተዪ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።
Translation | Contextቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልክል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextእቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡ ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡
Translation | Contextእተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡
Translation | Contextምስላ ኣብ ኢድ ዓያሱ ኸም እሾኵ ኣብ ኢድ ሰካር እዩ።
Translation | Contextሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተዪ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።
Translation | Contextነታ ኣኽሊል ትዕቢት ናይ ስኹራት ኤፍሬምን ነታ ናይ ክቡር ስልማቱ ዝጸምለወት ዕምባባ፡ ኣብ ርእሲ እታ ስብሕቲ ለሰ ናይቶም ብወይኒ ሰንከልከል ዚብሉ ዘላን ወይለኤን።
Translation | Contextእቶም ንምስታይ ወይኒ ዚሕይሉ፡ ዜስክር መስተ ንምሕዋስ ከኣ ዚብርትዑ ሰብ ወይለኦም።
Translation | Contextኣቱም ሰኸርቲ ንቕሑን ብኸዩን፣ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ዅልኻትኩም፣ እቲ ዀልዒ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፣ ዋይዋይ በሉ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።
Translation | Contextኣብ ደገ ዚቕመጡ ብዛዕባይ ይዛራረቡ፣ ሰካራት ብአይ ይጭፍሩ።
Translation | Contextነታ ኣኽሊል ትዕቢት ናይ ስኹራት ኤፍሬምን ነታ ናይ ክቡር ስልማቱ ዝጸምለወት ዕምባባ፡ ኣብ ርእሲ እታ ስብሕቲ ለሰ ናይቶም ብወይኒ ሰንከልከል ዚብሉ ዘላን ወይለኤን። እንሆ፡ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ካብ እግዚኣብሄር ይመጽእ አሎ፡ ንሱ ኸም ሃጽፊ በረድን ከም ዜጥፍእ ህቦብላን ከም ሃጽፊ ብርቱዕ ደምሳሲ ማይን ኰይኑ፡ ብሓይሊ ናብ ምድሪ ጻሕ የብሎ። እቲ ኣኽሊል ትዕቢት ናይ ስኹራት ኤፍሬም ብእግሪ ኺርገጽ እዩ። እቲ ኣብ ርእሲ እታ ስብሕቲ ለሰ ዘሎ ናይቲ ኽቡር ስልማቱ ዝጸምለወ ዕምባባ ከምቲ ቕድሚ ቐውዒ ቀዲሙ ዝበሰለ በለስ ኪኸውን እዩ፡ ምስ ረኣዮ፡ ገና ኣብ ኢዱ ኸሎ፡ ቀልጢፉ ይውሕጦ። በታ መዓልቲ እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነቶም ተረፍ ህዝቢ ኣኽሊል ክብርን ዘውዲ ስልማትን ኪዀኖም እዩ። ነቲ ኺፈርድ ዚቕመጥ ከኣ መንፈስ ፍትሒ፡ ነቶም ንውግእ ናብ ኣፍ ደገ ዚመልሱ ድማ ሓይሊ ኪዀኖም እዩ። ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንከልከል ይብሉ፡ ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ኸኣ ይሳናኸሉ። ካህንን ነብይን ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ሰንከልከል ይብሉ፡ ብወይኒ ይውሐጡ፡ ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ሰንከልከል ይብሉ፡ ኣብ ራእይ ይጋገዩ፡ ኣብ ፍርዲ ይዕንቀፉ ኣለው። ኲሉ መኣድታት ዜፈንፍን ትፋእ ምሉእ እዩ፡ ካን ጽጹይ ስፍራ የልቦን። ንመን ደኣ ፍልጠት ኪምህር እዩ፧ ንመንከ እዩ ነታ መልእኽቲ ኸም ዜስተውዕላ ዚገብሮ፧ ነቶም ጸባ ኣዲኦም ዝሐደጉ፡ ካብ ጡብ እተፈልዩ ድዩ፧ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ እዩ። እምበኣርሲ ብወታእ ከናፍርን ብልሳን ጓናን ነዚ ህዝቢ እዚ ኽዛረቦ እዩ። ንሱውን፡ ዕረፍቲ እዚኣ እያ፡ ነቲ ድኹም ኣዕርፍዎ፡ እታ መቕሰኒት እዚኣ እያ፡ ኢልዎም ነይሩ፡ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ። ስለዚ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ንኣታቶም፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ ኪዀኖም እዩ። ኪኸዱ ኸለው ኸኣ፡ ጥንቅሊዒት ወዲቖም፡ ኪስበሩን ኪፍንጠሩን ኪትሐዙን እዮም። ስለዚ ኣቱም መላገጽቲ፡ ኣቱም ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እትመልኩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ምስ ሞትሲ ኺዳን ተኣታቲና፡ ምስ ሲኦል ድማ ተዋዓዒልና፡ ንሓሶት ጸግዕና ንጥልመትውን ከውልና ጌርና ኢና እሞ፡ መዓት ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኰይኑ ምስ ዚሐልፍ፡ ኣባናስ ኣይኪበጽሕን እዩ፡ ትብሉ አሎኹም እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መሰረት፡ ፍቱን እምኒ፡ ድልዱል ዝመሰረቱ፡ ክቡር እምኒ ዂርናዕ ኤንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ኣይኪሀድምን እዩ። ፍርዲ ንመዓቀኒ፡ ጽድቂ ኸኣ ንመለክዒ ኽገብሮ እየ፡ በረድ ንጸግዒ ሓሶት ኬፍርሶ፡ ማያትውን ነቲ ኸውሊ ኺድምስሶ እዩ። እቲ ምስ ሞት እተኣታቶኹምዎ ኺዳንሲ ከንቱ ኪኸውን፡ እቲ ምስ ሲኦል እተዋዓዐልኩምዎ ውዕል ከኣ ኣይኪጸንዕን እዩ፡ መዓት ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኰይኑ ምስ ዚሐልፍ፡ ንስኻትኩም ብእኡ ኽትርገጹ ኢኹም። ንግሆ ንግሆ፡ ለይትን መዓልትን ኪሐልፍ እዩ እሞ፡ እናሐለፈ ኺሕዘኩም እዩ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ምስትውዓልሲ መሰክሒ ጥራይ ኪኸውን እዩ። ዓራት ከየሳፍሑሉ፡ ሓጺር እዩ፡ መደረብታ ኸኣ፡ ብእኡ ኸይጒልበቡ፡ ጸቢብ እዩ። እግዚኣብሄር ንዕዮኡ፡ ነቲ መስትንክር ዕዮኡ ምእንቲ ኺገብር፡ ንተግባሩ፡ ነቲ ዜደንቕ ተግባሩ ምእንቲ ኺፍጽምሲ፡ ከም ኣብ ከረን ጴራጺም ኪትንስእ፡ ከም ኣብ ለሰ ጊብዖን ኪዂሪ እዩ እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዂላ ምድሪ ተመዲቡ ኸም ዘሎ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ሰሚዔ አሎኹ እሞ፡ ማእሰርትኹም ከይጸንዕ ደጊምሲ ኣይተላግጹ። ጽን በሉ፡ ድምጻይ ስምዑ፡ ኣስተብህሉ፡ ዘረባይ ድማ ስምዑ። ሓረስታይ ኪዘርእ ኢሉ ዂሉ መዓልቲዶ ይሐርስ፡ ንግራቱስ ይባርዎን ይጒልጒሎን ድዩ፧ ንዝባኑ ምስ ኣጣጥሖ ሰሰግዶ ኣይንስንስን፧ ካሙንከ ኣይብትንን ድዩ፧ ስርናይ ከኣ ኣብቲ ትልምታት፡ ስገም ድማ ኣብ ወገኑ፡ ንሂጒውን ኣብ ወሰነ ወሰኑዶ ኣይዘርእን እዩ፧ ኣምላኽውን ነቲ ቕኑዕ ኣገባቡ ኣፍሊጥዎን ምሂርዎን እዩ። ሰሰግ ብመኼዲ ኣይክየድን፡ መንኰርኰር ሰረገላ ኸኣ ኣብ ካሙን ኣየዙሩን፡ ንሰሰግሲ ብጨንገፍ፡ ንካሙን ድማ ብሸቦጥ እዮም ዚዘብጥዎ። እኽሊ ይጥሐን እምበር፡ ንሓዋሩስ ኣይክየድን እዩ፡ መንኰረዂር ሰረገላኡን ኣፍራሱን እኳ እንተ ኣኼድሉ፡ ኣይጥሐንን እዩ። እዚውን ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ ዝወጸ። ንሱ ብምኽሩ ዜገርም፡ ብጥበቡውን ዓብዪ እዩ።
Translation | Contextዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።
Translation | Context