Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

dogs


ሉቃስ 16:19-31 | 14 Helpful votes

ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውንብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተመላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎእቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአየጸዊዑ ኸኣዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይንኣልኣዛር ስደደለይበሎኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበዘክርሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት አለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን አለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑበሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነንኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ

Translation | Context
ማቴዎስ 7:6 | 13 Helpful votes

እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዩ፡ በእጋሮም ከይረግጽዋ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም

Translation | Context
ምሳሌ 26:11 | 13 Helpful votes

ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዚምለስዓሻ ኸምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ።

Translation | Context
ራእይ 22:15 | 11 Helpful votes

እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።

Translation | Context
ፊልጲ 3:2 | 9 Helpful votes

ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ እኩያት ዓየይቲ ተጠንቀቑ፡ ካብ ምቍርራጽ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 15:27 | 7 Helpful votes

ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት

Translation | Context
ዘጸአት 11:7 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤልን ከም ዚፈሊ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤል ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳከልቢ ልሳኑ ኣየወሳውስን

Translation | Context
ማርቆስ 7:24-37 | 4 Helpful votes

ካብኡ ነቒሉ ኸኣ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ቤት ምስ ኣተወሓደ እኳ ኺፈልጦ ኣይፈተወንኪሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን። ሓንቲ ሰበይቲጓላ ብርኹስ መንፈስ እተታሕዘታ፡ ወሪኡ ሰሚዓ መጸትኣብ እግሩውን ተደፍኤት። እታ ሰበይቲ ጽርኣዊት ነበረት፡ ወለዶኣ ሶርያ ፍንቄ እዩ። ካብ ጓላ ጋኔን ኬውጽኣላ ኸኣ ለመነቶየሱስ ድማ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፡ ሕደጊ፡ ቅድም እቶም ውሉድ ይጽገቡበላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ ጐይታይኣኽላባት ድማ ርፍራፍ ውሉድ ካብ ትሕቲ መኣዲ ይበልዑ እዮም፡ ኢላ መለሰትሉ። ንሱ ድማ ስለ እዚ ቓልዚ ኺዲ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡበላ። ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት በጥ ኢላ፡ እቲ ጋኔን ከኣ መጺኡላ ረኸበታከም ብሓድሽ ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ጢሮስ ወጸብሲዶና ገይሩ ኸኣ፡ ንማእከል ዓሰርተ ዓዲ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ። ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦምኢዱ ኼንብረሉ ለመንዎ። ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ። ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ኣተንፊሱ ኸኣ፡ ኤፋታ፡ በሎ። እዚ፡ ተኸፈት፡ ማለት እዩ። ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታማእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሔኣቕኒዑውን ተዛረበንሓደ እኳ ኸይነግሩ፡ ኣምሪሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ግና ብመጠን እቲ ዝኸልከሎም ኣዝዮም ኣውረዩ። ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ንዅሉ ጽቡቕ ገበሮጸማማት ከም ዚሰምዑዓባሳት ከም ዚዛረቡ ገበረእናበሉ ብዘይ ልክዕ ተገረሙ

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 24:14 | 4 Helpful votes

ከምቲ ምስላ እቶም ቀዳሞትክፉእ ካብቶም ክፉኣት ይወጽእዚብሎ እዩ። ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 9:8 | 4 Helpful votes

ንሱ ድማ ፍግም ኢሉናብ ከማይ ዝበለ ምውት ከልቢ ገጽካ ኽትመልስሲጊልያኻ እንታይ እየ፡ በለ።

Translation | Context