Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
የሱስ ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ በሎም።
Translation | Contextዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን፧ ፈዋሲዶኸ ኣብኡ የልቦን እዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ቚስሊ ጓል ህዝበይ ተሰፈፉ ዘይሐዊ፧
Translation | Contextየሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንሱ ኺምህር ከሎ፡ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቀሚጦም ነበሩ። ሓይሊ እግዚኣብሄርውን ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ።
Translation | Contextንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረ፡ መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎም፡ ርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ።
Translation | Contextብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ። ይስተ እሞ ድኽነቱ ይረስዕ፡ መከራኡ ኸኣ ኣይዘክር።
Translation | Contextካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኵሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን።
Translation | Contextጳውሎስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ፡ ሐቚፍዎ ኸኣ፡ ነፍሱ ኣብኡ አላ እሞ፡ ዋይዋይ ኣይትበሉ፡ በሎም።
Translation | Contextጴጥሮስ ከኣ፡ ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኺድ፡ በሎ። ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንስኦ፡ ብኡ ብኡውን ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ጸንዔ። ስር ኢሉ ኸኣ ደው በለ ተዛወረውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናኣመስገነን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ አተወ። ኲሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሱ ኪኸይድን ንኣምላኽ ኬመስግንን ከሎ ረአይዎ። እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዚልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለልዮምዎ፡ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ብስምባድን ብምግራምን መልኡ።
Translation | Contextምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ። ካብቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ሓደ እዚ ምስ ሰምዔ፥ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ፡ በሎ።
Translation | Contextንስኻትኩም ግና ሓሶት እትኣልሙ ሰባት ኢኹም፡ ኲላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም።
Translation | Context