Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሓደ እዩ ብጽሒቶም፡ ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲእቶም ከኣ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ አላቶም። ኵሉ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን። ኲሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኲሎም ካብ መሬት ኰኑ፡ ኲሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ። እስትንፋስ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ። እስትንፋስ እንስሳ ኸኣ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ መን ይፈልጥ፧
Translation | Contextኲሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኲሎም ካብ መሬት ኰኑ፡ ኲሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ።
Translation | Contextብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሓደ እዩ ብጽሒቶም፡ ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲእቶም ከኣ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ አላቶም። ኵሉ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን።
Translation | Contextጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ።
Translation | Contextተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ።
Translation | Contextሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን።
Translation | Contextእቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።
Translation | Contextንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፥ ካብ ኲሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፡ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፥
Translation | Contextእቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ። ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ፡ በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍ፡ በለኒ። ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ። እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖ፡ ንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ። እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ። ካብቶም በተን ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ዝመልኣ ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጸ እሞ፡ ነታ መርዓት፡ ሰበይቲ እቲ ገንሸል፡ ክርእየካስ ንዓ፡ እናበለ ተዛረበኒ። ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል። ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ ኸኣ አለዋ፡ ዓሰርተው ክልተ ደገ፡ ኣብቲ ደጌታትውን ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲ፡ ስማት ድማ ተጽሒፉ አሎ፡ እዚ ስማት እዚውን ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል እዩ። ብምብራቕ ሰለስተ ደገ፡ ብሰሜን ሰለስተ ደገ፡ ብደቡብ ሰለስተ ደገ፡ ብምዕራብ ሰለስተ ደገ አሎ። ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት አለዎ፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል አሎ። እቲ ዚዛረበኒ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ደጌታታን ቀጽራን ምእንቲ ኺሰፍረሉ፡ መስፈሪ፡ ዘንጊ ወርቂ፡ አለዎ። እታ ኸተማ ኸኣ ኣርባዕተ ዝመኣዝና እያ፡ ምንዋሓውን ክንዲ እቲ ግፍሓ እዩ። በቲ ዘንጊ ድማ ነታ ኸተማ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ እስታድዮስ ሰፈራ። ምንዋሓን ምግፋሓን ምብራኻን ማዕረ ማዕረ እዩ። ነቲ ቐጽራ ኸኣ ብእመት ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ናይ መልኣኽ፡ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን እመት ኣመቶ። እቲ ቐጽራ ድማ ብያስጲስ እተነድቀ እዩ፡ እታ ኸተማውን ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እያ እትመስል። መሰረታት ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ብክቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ እዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፉሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡ እቲ ሓምሳይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሳድሳይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሳብዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሳምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታስዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ እዩ። እቲ ዓሰርተው ክልተ ደገ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ ሉል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ እዩ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እዩ። እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽን እቲ ገንሸልን መቕደስ እዮም እሞ፡ መቕደስ ኣብኣ ኣይርኤኹን። እታ ኸተማ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ አሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡ ጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ። ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱ፡ ነገስታት ምድሪውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም። ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ደጌታት ብመዓልቲ ከቶ ኣይኪዕጾን እዩ። ነቲ ናይ ህዝብታት ክብረትን ክብርን ከኣ ናብኣ ኼምጽእዎ እዮም። እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ።
Translation | Context