Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
Translation | Contextኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸደነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፡ ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧
Translation | Contextማለት ኵሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ።
Translation | Contextብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን። ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም።
Translation | Contextኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ።
Translation | Contextሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ።
Translation | Contextእምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።
Translation | Contextኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።
Translation | Contextእታ ኻልአይታ እትመልሳ ድማ፥ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር ኣየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡ ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡ እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር፡ ሓሶት ዚዛረባ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ።
Translation | Contextነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ።
Translation | Contextከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ በሎም። ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ። ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም። ኣነ ነቶም ዝሐሬኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ እቲ እንጌራይ ዚበልዕ፡ ሸኰናኡ ኣባይ ኣልዓለ። ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም አሎኹ። ነቲ ዝለኣኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ ዚቕበል፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
Translation | Context