Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

discerning of spirits


1ይ ዮሃንስ 4:1 | 9 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1-21 | 8 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነንእዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ። ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም። ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ አለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም አላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓናእቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። ኣቱም ፍቁራተይፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐርዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልናኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። ኣቱም ፍቁራተይኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርናኣምላኽ ኣባና ይነብርፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብርበዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ ኣቦ ንወዱ ምድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾንሕና ርኢና ንምስክርውን አሎና። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመንኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብርኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምእውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመትፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:1-40 | 4 Helpful votes

ንፍቕሪ ስዓብዋንመንፈሳዊ ውህበትምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ። እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ አሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ ዘሎ። እቲ ትንቢት ዚንበ ግና፡ ንሰብ ዚሃንጽን ዚምዕድን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብቋንቋታት ዚዛረብ ንርእሱ ይሃንጽትንቢት ዚንበ ግና ንማሕበር እዩ ዚሃንጽስለዚ ዂላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡምናዳ ግና ክትንበዩ እፈቱ አሎኹ። እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽዚትርጕም እንተ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እቲ ትንቢት ዚንበ ይዐቢኣሕዋተየሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይወይ ብፍልጠትወይ ብትንቢትወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም እዩ፧ እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍእቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሃየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዓል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧ ኣብ ዓለም በበይኑ ዝዀነ ብዙሕ ቋንቋታት አሎ፡ ርግጽ ደሃይ ዜብሉ ግና የልቦን። እምብኣርሲ ኣነ ሓሳብ እቲ ድምጺ ኻብ ዘይፈልጥ፡ ነቲ ዚዛረብ ከም ባርባር ክዀኖ እየ፡ እቲ ዚዛረብውን ንኣይ ከም ባርባር እዩ ዚዀነኒ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበት እትቐንኡ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ። ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹመንፈሰይ እዩ ዚጽሊኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ። እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ። እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ኪብል ይከኣሎ፧ ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን አሎኻእቲ ኻልእ ግና ኣይተሃንጸንሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ ኤመስግን አሎኹ። ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቓል ቋንቋ ኻብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቓላት በእምሮ ኽዛረብ እፈቱ አሎኹኣሕዋተየበእምሮ ሰብኡት ኩኑብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበርብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ። ኣብ ሕጊነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዚብል ጽሑፍ አሎ። ስለዚ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዚአምኑ ኣይኰነንትንቢት ግና ነቶም ዚአምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኰነን። ደጊም ኲላ እታ ማሕበር ሐቢራ እንተ ተአከበትኲላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛረቡ እሞ ዘይምሁራት ወይስ ዘይኣምኑ ሰብ ኣብኡ እንተ ኣተዉተጸሊሎኩምዶ ኣይብሉን እዮም፧ ግናኸ ኲላቶም እንተ ተነበዩ እሞ ሓደ ዘይኣምን ወይስ ዘይምሁር እንተ ኣተወኲላቶም ይገንሕዎኲላቶም ይፈርድዎ እዮም። እቲ ኣብ ልቡ እተሐብኤ ድማ ይግለጽ እሞ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ እናነገረብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኪሰግድ እዩ። ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩክትእከቡ ኸሎኹምነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር አለዎ፡ ምህሮ አለዎ፡ ራእይ አለዎ፡ ቋንቋ አለዎ፡ ትርጉም አለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበርብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ክልተእንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበልንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ። ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ፡ እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ። ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበልኲላቶም ምእንቲ ኺምሃሩ ዂላቶምውን ኪምዓዱስኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዪ ይከኣለኩም እዩ። ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም። ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞገለ ኺምሃራ እንተ ደለያኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ። ወይስ ቃል ኣምላኽዶ ኻባኻትኩም እዩ ዝወጸወይስ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ ዝበጽሔሓደ ንሱ ንርእሱ ነብዪ ወይስ መንፈሳዊ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎእዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ኺፈልጦ ዘይደሊ ግና፡ ኣይፍለጦኣሕዋተየስለዚ ኽትንበዩ ሃረር በሉ፡ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልከሉ። ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1-6 | 4 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነንእዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ። ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም። ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ አለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም አላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓናእቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:8-10 | 4 Helpful votes

ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡ ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢትንሓደ ምልላይ መናፍስቲንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:1-31 | 3 Helpful votes

ኣሕዋተየብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኣረማውያን ከሎኹም፡ ናብቶም ዓባሳት ጣኦታት እናተመራሕኩም ከም እተሰሐብኩምትፈልጡ ኢኹም። ስለዚ ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብየሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብልመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ፡ ኤፍልጠኩም አሎኹ። እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ። ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡ ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢትንሓደ ምልላይ መናፍስቲንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ። እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ። ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያንባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና። እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡ እግሪኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለበዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧ ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸበ፧ ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሀለወሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። ዓይኒ ንኢድኣይደልየክንክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየኲሉ ኣካላት ይስቀሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ። እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያካልኣይ ነብያትሳልሳይ መምህራንደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕበበይኑ ቛንቋታት ሰርዔኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ አለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧ ነተን ዚዓበያ ውህበታት ደኣ ጽዓቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።

Translation | Context
ማርቆስ 16:17-18 | 3 Helpful votes

ነቶም ዚአምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፥ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:10 | 2 Helpful votes

ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢትንሓደ ምልላይ መናፍስቲንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-13 | 2 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድልስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸእቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹከም ቈልዓ ተዛረብኩልቢ ቘልዓ ነበረኒከም ቈልዓ ሐሰብኩሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:11 | 2 Helpful votes

እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:7-10 | 2 Helpful votes

ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ። ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡ ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢትንሓደ ምልላይ መናፍስቲንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:21 | 2 Helpful votes

ንዅሉ ተዓዘብዎነቲ ሰናይ ሐዝዎ

Translation | Context