Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ። መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዓየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ አላ። ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፉውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ፥ ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም - ትርጓሚኡ ልኡኽ፦ ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረአየውን ተመልሰ።
Translation | Contextነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ፡ ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዚርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን እዩ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይኰንኩን፧
Translation | Contextግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።
Translation | Contextንጸማም ኣይትርገሞ፡ ኣብ ቅድሚ ዕዉር ድማ መዓንቀፊ ኣይተንብር፡ ንኣምላኽ ደኣ ፍራህ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
Translation | Contextእቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምውን እዩ።
Translation | Contextእቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምውን እዩ።
Translation | Contextእቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ። ንኽምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል።
Translation | Contextንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ።
Translation | Contextየሱስ መሊሱ በሎም፡ ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፡ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ።
Translation | Contextከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና። እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡ እግሪ፡ ኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለ፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧ ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸበ፧ ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ። ኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሀለወ፧ ሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። ዓይኒ ንኢድ፡ ኣይደልየክን፡ ክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩ። ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣ፡ ብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ። ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኲሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ።
Translation | Contextድሕሪ ሒደት መዓልቲ ድማ ኣብ ቅፍርናሆም ኣተወ እሞ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዔ። ብኡብኡ ወገፈ ምእካል ክሳዕ ዚስእኖም፡ ብዙሓት ተኣከቡ። ቃል ድማ ይነግሮም ነበረ። ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጕዕ ናብኡ ኣምጽኡ። ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጻጕዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። የሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ። ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፡ ብልቦም ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ይዛረብ አሎ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽከ መን እዩ ሓጢኣት ኪሐድግ ዚኽእል፧ ኢሎም ሐሰቡ። የሱስ፡ ብልቦም እዚ ኸም ዝሐሰቡ፡ ብኡብኡ ብመንፈሱ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እዚ ብልብኹም ትሐስቡ አሎኹም፧ ኣያናይ ይቐልል፡ ነዚ መጻጕዕ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ፡ ምባል፧ ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ - ነቲ መጻጕዕ፡ ንኣኻ እብለካ አሎኹ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። ብኡብኡ ተንሲኡ፡ ዓራቱ ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወጸ፡ ኵሎም ተደነቑ እሞ፡ ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርኤናን፡ ኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።
Translation | Contextእቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ፡ ቈራያት ኪሐውዩ፡ ሓንካሳት ኪኸዱ፡ ዕዉራትውን ኪርእዩ ርእዮም ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።
Translation | Contextደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሒዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ።
Translation | Contextዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
Translation | Context