Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም።
Translation | Contextዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካ፣ ዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና።
Translation | Contextካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሓተትዎ። በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንዲዚ ደናቝርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ዅሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንዅሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዚወጽእ።
Translation | Context