Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።
Translation | Contextነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብር። ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡ ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈልጦንውን። ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ። ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኡሉ እዩ ነዚ እተገልጸ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ፡ ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ።
Translation | Contextእቲ ኻብ ኣምላኽ እትወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮን እዩ እምበር፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና። ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።
Translation | Contextእምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።
Translation | Contextእቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።
Translation | Contextንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።
Translation | Contextእቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።
Translation | Contextሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።
Translation | Contextእቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም።
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል። ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ።
Translation | Contextእቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
Translation | Contextስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም።
Translation | Contextድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ።
Translation | Contextእቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።
Translation | Context