Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ። ስለዚ ኣነ እጐዪ አሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን፡ እምክት አሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩን። ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።
Translation | Contextሩት ግና፡ ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸኣ እሐድር፡ ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውት፡ ኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወሰኸኒ በለት። ምስኣ ንምኻድ ከም ዝቖረጸት ምስ ረአየት፡ ምዝራባ ሓደገት።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።
Translation | Contextካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
Translation | Contextንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።
Translation | Contextኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ አሎኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።
Translation | Contextየሱስ ግና፥ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።
Translation | Context