Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መምህር፡ ንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺኤዮ አሎኹ፡ ኣብ ዝሓዞ ድማ የምበድብዶ፡ ንሱ ኸኣ ይዓፍር፡ ኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ነጊረዮምሲ፡ ንሳቶም ግና ኣይከኣሉን፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱውን፡ ኣታ ዘይእሙን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰጉም እየ፧ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኢሉ መለሰ። ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። ምስ ረኣዮ፡ ሽዑ እቲ መንፈስ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረ ዓፈረ ኸኣ። የሱስ ድማ ነቦኡ፡ እዚ ኻብ ዚሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ካብ ንእስነቱ፡ ኬጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ። ገለ ትክእል እንተ ዄንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል አሎኻ። ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ። ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ እኣምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፍ፡ በሎ። የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኺጐዩ ምስ ረአየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ፡ እእዝዘካ አሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎ፡ ኢሉ ገንሖ። ገዓረ ብዙሕ ፈንጠርጠር ኣቢልዎ ኸኣ ወጸ፡ ብዙሓት ሞይቱ ኽሳዕ ዚብሉ ድማ፡ ከም ሬሳ ዀነ። የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ ተንስኤ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ ከመይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይከኣልን እዩ፡ በሎም።
Translation | Contextእምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።
Translation | Contextንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይከኣልን እዩ፡ በሎም።
Translation | Contextድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።
Translation | Contextኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም።
Translation | Contextርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል ኣይረክብን ድማ። ሽዑ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። ምስ መጸ፡ ጥራያ፡ ተዀስቲራ፡ ተሰሊማ ይረኽባ። ድሕርቲ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ሾብዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ሒዙ ይመጽእ፡ ኣትዮም ከኣ ኣብኣ ይነብሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ። ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ኪዀኖ እዩ።
Translation | Contextእቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።
Translation | Contextናብ ማዕዶ ባሕሪ፡ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን መጹ። ካብ ጃልባ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ። ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፡ ብመቝሕ እኳ ኼጽንዖ ዝኽኣለ ኣይነበረን። ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረ፡ ንመቝሕ ይሰብሮ፡ ንሰንሰለትውን ይበትኮ ነበረ እሞ፡ ኬሕምቖ ዝኽእለ ከቶ ኣይነበረን። ኵሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሕ ነበረ። ንየሱስ፡ ርሑቕ ከሎ፡ ምስ ረኣዩ፡ ጐይዩ ሰገደሉ እሞ፡ ዎ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ አሎኒ፧ ከይትሳቐየኒ ብኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ፡ እናበለ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። የሱስ፡ ኣታ ርኹስ መንፈስ፡ ካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ፡ ስለ ዝበሎ እዩ። ስምካኸ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኢና እሞ፡ ስመይ ለጌዎን እዩ፡ በሎ። ካብታ ሃገር ከየውጽኦም፡ ብዙሕ ለመኖ። ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ጸግዒ ኸረን ይበልዕ ነበረ። ንሳቶም ከኣ፡ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብኤን ክንኣቱ፡ ኢሎም ለመንዎ። የሱስ ከኣ ብኡብኡ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እቲ መጓሰ ኸኣ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸደፈ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ነበራ። ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞታ። እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከኣ ኣውረዩ። እቶም ሰብ ከኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ። ናብ የሱስ መጹ፡ እቲ ርኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ፡ ለጌዎን ዝነበርዎ፡ ተቐሚጡ፡ ተኸዲኑ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረአይዎ እሞ ፈርሁ። እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝዀነን ብናይተን ሓሰማታትን ነገርዎም። ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልሰሎም ከኣ ኪልምንዎ ጀመሩ። ኣብ ጃልባ ኺኣቱ ኸሎ፡ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። የሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐረካን ንገሮም፡ በሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉን። ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ኺሰብክ ጀመረ፡ ኵሎምውን ተደነቑ።
Translation | Contextናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢድ ነስኣሉ፡ በሎውን፡ ጐይታይ፡ ንወደይ ምሐረለይ። ሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ፡ ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስ፡ ምሕዋዩ ሰኣኑ። የሱስ ግና መለሰ በለውን፡ ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ። የሱስ ገንሖ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ። እቲ ቘልዓ ድማ ካብታ ሰዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም፡ ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለት። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰኣነኩም ውን የልቦን።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም አለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት። ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጒህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ ካብኣ ኽትወጽእ፡ ብስም የሱስ እእዝዘካ አሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ።
Translation | Contextድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡
Translation | Contextንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም።
Translation | Contextእቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፥ ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና አለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ። በሎም፥ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ። እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም አሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን። ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሐጐሱ።
Translation | Context