Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all28 bible verses about
በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ይገብር ነበረ።
Translation | Contextብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።
Translation | Contextንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስ፡ ንእግርካ ኻብ እከይ ኣርሕቆ።
Translation | Contextብመሳንፍቲ፣ በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ።
Translation | Contextከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑ። ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እየ፡ ዝበልክዎ፡ ንዝፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለአለም ከጽንዖ እየ።
Translation | Contextገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፡ ለባም ግን ንስጉምቱ ይጥንቀቐለን።
Translation | Contextነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ።
Translation | Contextነቶም ፈረድቲውን በሎም፡ ነቲ እትገብርዎ ዘበለ ጠምቱ፡ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፡ ናይ ሰብ ኣይኰነን እትፈርዱ ዘሎኹም እሞ፡ ንሱ ኸኣ በቲ ናይ ፍርዲ ነገር ምሳኻትኩም እዩ። እምበኣርስኸ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀሉኹም፡ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ዓመጻን ኣድልዎ ገጽን ምቕባል መማለጃን የልቦን።
Translation | Contextጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።
Translation | Contextህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣብ የሩሳሌም ኣንገስዎ።
Translation | Contextበቲ ትንፋስ ኣብ ኣፍንጫኡ ዘለዎ ሰብ ኣይትወከሉ፡ ብምንታይከ ኣዩ እተቋጽርዎ፧
Translation | Contextልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ፡ ልቢ ዓሻ ግና ኣብ ጸጋሙ እዩ።
Translation | Contextንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም፡ ኣእዛንካ፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላላሱ፡ ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።
Translation | Contextሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
Translation | Contextንሳቶም ድማ ንህዝቢ ወርትግ ፈረዱ። ብርቱዕ ነገር ዝዀነ ኸኣ ናብ ሙሴ ኣምጽኡሉ፡ ዅሉ ንእሽቶ ነገር ግና ንሳቶም ፈረዱ።
Translation | Contextዮሳፋጥ ድማ ኣብታ ናይ ይሁዳን ናይ የሩሳሌምን ማሕበር፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ኣጸድ ደው በለ፡ በለ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን ኣምላኽ ሰማይ፧ እቲ ንዂለን መንግስትታት ኣህዛብ ዚገዝእ ድማ ኣይንስኻን ዲኻ፧ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፡ ኪቃወመካ ዚኽእል የልቦን።
Translation | Contextግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ አለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም አሎኹ።
Translation | Contextንስኻ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣልቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት፡ እሙናት፡ ረብሓ ዓመጽ ዚጸልኡ ሰባት ሕረ። ንኣታቶም ከኣ ሕላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ልዕሊኦም ሽመሎም።
Translation | Contextእምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።
Translation | Contextምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ ኤሐጒስ አሎኹ።
Translation | Contextማእከላይሲ ማእከላይ ሓደ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ግና ሓደ በይኑ እዩ።
Translation | Contextዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ነገሰ።
Translation | Contextጊዴዎን ከኣ፡ ኣነስ ኣይገዝኣኩምን፡ ወደይውን ኣይገዝኣኩምን፡ እግዚኣብሄር ደኣ ይግዛእኩም፡ በሎም።
Translation | Contextየሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ።
Translation | Contextካባኻትኩም ጠቢባንን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ኣውጽኡ፡ ሓላቑኹም ክገብሮም እየ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሕዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
Translation | Contextንህዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶም፣ ነህዛብውን ኣብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ እሞ፣ ህዝብታት ይተሐጐሱን እልል ይበሉን። [ሴላ።]
Translation | Context