Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all2 bible verses about
ንሱ ዓባስ ጋኔን የውጽእ ነበረ። ኰነ ድማ፡ እቲ ጋኔን ምስ ወጸ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ተገረሙ። ገሊኦም ግና፥ ነጋንንቲ ብብኤል- ዜቡል፡ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ። ክልኦት ከኣ ኺፍትንዎ፡ ካብኡ ትእምርቲ ኻብ ሰማይ ይደልዩ ነበሩ። ንሱ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፥ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ዘበለት መንግስቲ ትጠፍእ፡ ቤት ድማ ንርእሳ እተፋላለይት፡ ትወድቕ እያ። ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ከም ዘውጽኦም ካብ እትብሉስ፡ ሰይጣን ንርእሱ እንተ ተፈላለየ ደኣ፡ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፡ ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩስ፡ ደቕኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም አለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም። ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣባኻትኩም በጽሔት። እቲ ሓያል ሰብ፡ ኣጽዋሩ ሒዙ ገዛኡ እንተ ሐለወ፡ ብዘሎ ጥሪቱ ደሓን ይኸውን። ካብኡ ዚሕይል መጺኡ እንተ ሰዓሮ ግና፡ ነቲ ዚእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፎ፡ ነቲ ዝበዝበዞውን ይማቐሎ። ምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ። ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበ፥ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። ምስ መጸ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ። ሽዑ ንሱ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ካልኦት ሾብዓተ መናፍስቲ ኸኣ ምስኡ ይማላእ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይገዶ። ኰነ ድማ፡ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰበይቲ ቓላ ዓው ኣቢላ፥ ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦካየን ኣጥባትን ብጹኣት እየን፡ በለቶ። ንሱ ግና፥ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም፡ በላ።
Translation | Contextንስኻ ኸውለይ ኢኻ፣ ካብ ጸበባ ትሕልወኒ፣ ብእልልታ ምድሓን ትኸበኒ፣ ኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።
Translation | Context