Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ፣ ዕርደይ፣ መናገፍየይ፣ ኣምላኸይ፣ ዝሀድመሉ ጸግዔይ፣ ዋልታይ፣ ቀርኒ ምድሓነይ፣ ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ።
Translation | Contextካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኵሎም ዚጸልኡናን ኬድሕነና፡
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።
Translation | Contextእቲ ብርቱዕ ጸላእየይን እቶም ዚጸልኡንን፣ ሐይሎሙኒ ነበሩ እሞ፣ ካብኦም ኣናገፈኒ።
Translation | Contextዎ ኣምላኽ፣ ንጸሎተይ ጽን በል፣ ካብ ምህለላይውን ኣይትተሐባእ። ኣድህበለይን ምለሰለይን፣ ግፋዒ የውርዱለይ፣ ብዅራ የባርሩኒ አለዉ እሞ፣ ብሰሪ ምጥቃዕ እቲ ረሲእ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸላኢ፣ ብቚዝማይ ህድአት ስኢነ፣ እህህ እብል አሎኹ። ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት፣ ስምባድ ሞትውን ወደቐኒ። ፍርሃትን ምንቅጥቃጥን መጸኒ፣ ረዓድውን ኣጐልበበኒ። ኣየ፣ ከም ርግቢ ኣኽናፍ እንተ ዚህልወንስ፣ ነፊረ ምዐረፍኩ ነይረ፣ በልኩ። እንሆ፣ ኣርሒቐ ምሀደምኩ። ኣብ በረኻውን ምሐደርኩ። [ሴላ።] ካብ ህቦብላን ሸምቦባን ክሀድም፣ ኣብ መዕቈቢ ምቐልጠፍኩ። ዓመጻን ባእስን ኣብታ ኸተማ እርኢ አሎኹ እሞ፣ ጐይታየ፣ ኣጥፍኣዮም፣ መላሕሶም ፈላሊ። ለይትን መዓልትን ኣብ መካበብያታት ይዞሩ፣ በደልን ክፍኣትን ኣብ ውሽጣ አሎ። ሕሰም ኣብ ውሽጣ አሎ፣ ጥቕዓትን ጥልመትን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቕን። ዚጸርፈኒ ጸላእየይ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተዐገስኩ፣ ዚዕበየለይ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተሐባእኩ፣ ግናኸ ማዕረይ፣ መሓዛይ ፈታውየይውን ዝነበርካ ሰብአይ ንስኻ ኢኻ ዝገበርካዮ። ንሕና ብጥዑም ምኽሪ ሐቢርና ወዐልና፣ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ምስ ኣኼባ ንመላለስ ነበርና። እከይ ኣብ ማሕደሮምን ኣብ ውሽጦምን አሎ እሞ፣ ሞት ብድንገት ይምጽኣዮም፣ ብህይወቶም ከለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ። ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ እምህለል አሎኹ፣ ጐይታውን የድሕነኒ እዩ። ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቚዝም እህህውን እብል አሎኹ፣ ንሱ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ። ዚቃወሙኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ካብ ውግእ ንነፍሰይ ብሰላም ኣናግፋ። ኣይልውጡን፣ ንኣምላኽ ኣይፈርህዎን እዮም እሞ፣ ካብ ጥንቲ ዚነብር ዘሎ ኣምላኽ ሰሚዑ ኺመልሰሎም እዩ። [ሴላ።] ንሱ ነቶም ምስኡ ብሰላም ዘለዉ ኢዱ ዘርጊሑ ኺዳኑ ኣፍረሰ። ኣፉ ኸም ጠስሚ ልዙብ እዩ፣ ልቡ ግና ውግእ እዩ፣ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ይልእም፣ ግናኸ እተመሰተ ኣስያፍ እዩ። ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፣ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን። ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ናብ ዓሚቚ ጒድጓድ ተጽድፎም፣ ደመኛታትን ጠበርትን ኣብ ፈረቓ ዕድሚኦም ኣይበጽሑን እዮም። ኣነ ግና ኣባኻ እውከል አሎኹ።
Translation | Context