Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

defending our faith


1ይ ጴጥሮስ 3:15 | 29 Helpful votes

ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:1-22 | 11 Helpful votes

ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕክትገንሕክትቀጽዕክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ። ንስኻ ግና ብኵሉ ተጠንቀቕመከራ ጽገብግብሪ ወንጌላዊ ግበርኣገልግሎትካ መልእ። ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ አሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲበታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነንቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠንዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደክሬስኬስ ናብ ገላትያቲቶስ ናብ ደልማይታ ኸዱ። ሉቃስ ጥራይ ምሳይ አሎ፡ ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእንጥኪቆስ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ አሎኹ። ክትመጽእ ከሎኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሐደግክዎ ባርኖስን እቲ መጻሕፍትንምናዳ እቲ ብራናታትተማልኣለይእስክንድሮስ፡ እቲ ኣንጠረኛብዙሕ ክፉእ ገይሩኒእግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ንሱ፡ ነቲ ቓልና ብዙሕ ይጻረሮ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ካብኡ ተሐሎኣብቲ ቐዳማይ ምጕተይ፡ ኣይሐዘሎም፡ ኵላቶም ጠለሙኒ እምበር፡ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግናጐይታ ቘመለይኣበርትዓኒካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒእግዚኣብሄር ካብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱውን ኬድሕነኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜንንጵርስኪላን ንኣኪላስን ንቤት ኦኔሲፎሮስን ሰላም በለለይ። ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉንጥሮፊሞስ ግና ሐሚሙ ኣብ መሊጦስ ሐዲገዮ አሎኹ። ቅድሚ ኽረምቲ ንምምጻእ ፍጠንኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውድያን ኵላቶም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ አለዉ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹንጸጋ ምሳካትኩም ይኹን። ኣሜን

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:5 | 10 Helpful votes

ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።

Translation | Context
ቲቶስ 1:9 | 7 Helpful votes

ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከአሎስ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:24-25 | 6 Helpful votes

ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህመሃሪዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ። ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኺፈልጥዋ ኢሉ፡ ንስሓ እንተ ሃቦም፡ ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም

Translation | Context
ቈሎሴ 4:5-6 | 5 Helpful votes

ጊዜ እናዓደግኩምምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:11-12 | 5 Helpful votes

እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዋም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:15 | 5 Helpful votes

ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕልዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 4 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 2:15 | 4 Helpful votes

ደጊም፡ ኣቱም ኣሕዋትናጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተመሃርኩምዎ ትምህርትታት ሐዝዎ

Translation | Context
ፊልጲ 1:16 | 4 Helpful votes

እቶም ሓደ ወገን ንጥብቅነት ወንጌል ከም እተመደብኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ፡

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:1-34 | 3 Helpful votes

ብኣምፊጶሊስን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ከኣ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤት ጸሎት ኣይሁድ ነበረት። ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ ናባታቶም አትዩሰለስተ ሰንበት ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ፡ ንክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ፡ እዚ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ። ካባታቶም ከኣ ሓያሎ ኣሚኖም፡ ናብ ጳውሎስን ሲላስን ተጸምበሩኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጽርኣውያን፡ ካብተን ዓበይቲ ኣንስቲውን ሒደት ዘይኰና ኸምኡ ገበራ። እቶም ዘይአመኑ ኣይሁድ ከኣ ቀኒኦም፡ ካብቲ ዕዳጋ እኩያት ሰብ ወሰዱህዝቢ ኣኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ኣነዐብዋንቤት ያሶን ሓደጋ ወዲቖም ከኣ፡ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ። ምስስኣንዎም ግና፡ ንያሶንን ንሓያሎ ኻብ ኣሕዋትን ናብቶም መኳንንቲ እታ ኸተማ ስሒቦምእዞም ንዂሉ ዓለም ዜናዕቡስ ናብዚ ኸኣ መጺኦምያሶን ከኣ ከም ኣጋይሽ ተቐቢልዎም አሎ፡ ንሳቶም ኲላቶም ምስ ኣዋጅ ቄሳር ዚጻላእ ነገር ይገብሩየሱስ ዚብሃል ካልእ ንጉስ ኣሎውን፡ ይብሉ እዮም፡ እናበሉ ጨደሩ። ንሳቶም እዚ ንዝሰምዑ ሰባትን ንመኳንንቲ እታ ኸተማን ኣዕገርገርዎምንያሶንን ነቶም ካልኦትን ዋሕስ ኣትኪሎም ከኣ፡ ሐደግዎም። እቶም ኣሕዋት ግና ንጳውሎስን ሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ። ንሳቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፡ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዂሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ። ስለዚ ብዙሓት ካባታቶምን ካብተን ክቡራት ኣንስቲ ጽርእን ሰብኡትን፡ ሒደት ዘይኰኑ፡ አመኑ። ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም ዝነገረ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኺዘርጉን ኬናዕቡን ናብኣውን መጹ። ሽዑ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ኪኸይድቀልጢፎም ሰደድዎሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ። እቶም ንጳውሎስ ዝወሰዱ ግና ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ እሞ፡ ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ናብኡ ይስዓብዎ፡ ዚብል ትእዛዝ ሒዞም ናባታቶም ተመልሱጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኺጽበዮም ከሎ፡ እታ ኸተማ ጣኦታት መሊኣ ምስ ረአየብመንፈሱ ተቓጸለ። ስለዚ ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድን ምስቶም ፈራህቲ ኣምላኽንኲሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን ይዛራረብ ነበረ። ሓያሎ ፊሎሶፋት ከኣ ካብ ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ምስኡ ጸመዱ። ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል ኰን እዩ ዚደሊ ዘሎ፧ በሉገሊኦም ድማ፡ ብናይ የሱስን ትንሳኤን ስለ ዝሰበኸሎምብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዚምህር ዘሎ ደኣ ይመስል፡ በሉ። ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና አሎኻ እሞ፡ እዚ ንስኻ እትዛረቦ ሓዲሽ ትምህርትስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦዶ ይከኣለና እዩ፧ እዚ ነገርዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ አሎና፡ እናበሉ ድማ ሒዞም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎኲሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዚነብሩ ጓኖትን ብዘይ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእሲ ጊዜ ኣይነበሮምንጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴናብዂሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑእርእየኩም አሎኹ። እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ እነግረኩም አሎኹ። እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ። ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ። ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም። እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ። ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ። ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና፡ ገሊኦም ኣላገጹሉገሊኦም ከኣ፡ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና፡ በልዎ። ከምኡ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወጸ። ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዐብዎ እሞ አመኑ፡ ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስፋጎስ መኰነን፡ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሀል ሰበይቲ፡ ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።

Translation | Context
ይሁዳ 1:3 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩምናይ ግዲ ዀነኒ።

Translation | Context
ሮሜ 16:16-19 | 2 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ከኣ ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሀሉ። ኲለን ማሕበራት ክርስቶስውን ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎምእምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎንብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ተሰሚዑ እዩ፡ ስለዚ ብኣኻትኩም እሕጐስ አሎኹ። ንሰናይ ብልህታትንእኩይ ግና ገርህታት ክትኰኑእደሊ አሎኹ።

Translation | Context