Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
በቲ ቕነቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ በዝሑ፡ እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለት፡ ንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን፡ ኣብቶም እብራውያን ኣጒረምረሙ። ሽዑ እቶም ዓሰርተዉ ክልተ ንዂሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ ንሕና ቓል ኣምላኽ ሐዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን። ስለዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞም፡ ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሐዝ፡ በልዎም። እዚ ዘረባ እዚ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ባህ ኣበሎ። ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይ፡ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጵሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ነቲ ጵሮሴሊት፡ ኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾክያን ሐረዩ። ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ከኣ ደው ኣበልዎም፡ እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎም። ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ፡ ቊጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተኣዘዙ። እስጢፋኖስ ድማ ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። ሊቤርጢኖን ካብ እትብሀል ቤት ጸሎትን ካብ ቄሬኔዎንን ካብ እስክንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን ግና ንእስጢፋኖስ ተንስእዎ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ። ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን። ሽዑ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮ፡ ዚብሉ ሰባት ሐበሉ። ንህዝብን ንዓበይትን ንጻሐፍትን ኣነዐቡ፡ መጺኦም ከኣ መንዚዖም ናብ ዋዕላ ወሰድዎ እሞ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ የሱስ፡ እቲ ብዓል ናዝሬት፡ ነዛ ስፍራ እዚኣ ኼፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሀበና ስርዓት ከኣ ኪልውጦ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰሚዕናዮ አሎና እሞ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ እዚኣን ንሕግን ቃላት ጸርፊ ኻብ ምዝራብ ከቶ ኣይዐርፍን እዩ፡ ዚብል ምስክር ሓሶት ኣተንስኡሉ። እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዂላቶም ድማ ጠመትዎ እሞ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም።
Translation | Contextዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩ፡ መንቅብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉ። ኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲ፡ ዘይሐምያ፡ ጥንቁቓት፡ ብዅሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ።
Translation | Contextዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ።
Translation | Contextስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ።
Translation | Contextእቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ።
Translation | Contextጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን፡
Translation | Contextኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ።
Translation | Contextበቲ ቕነቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ በዝሑ፡ እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለት፡ ንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን፡ ኣብቶም እብራውያን ኣጒረምረሙ። ሽዑ እቶም ዓሰርተዉ ክልተ ንዂሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ ንሕና ቓል ኣምላኽ ሐዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን። ስለዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞም፡ ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሐዝ፡ በልዎም። እዚ ዘረባ እዚ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ባህ ኣበሎ። ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይ፡ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጵሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ነቲ ጵሮሴሊት፡ ኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾክያን ሐረዩ። ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ከኣ ደው ኣበልዎም፡ እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎም። ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ፡ ቊጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተኣዘዙ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያ፡ ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ።
Translation | Contextእዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ። ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ። ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ። ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩ፡ መንቅብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉ። ኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲ፡ ዘይሐምያ፡ ጥንቁቓት፡ ብዅሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ። ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ አሎኹ፡ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ። ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ።
Translation | Contextብናይ ሽማግለ ኸኣ፡ ብምስክር ክልተ ወይ ሰለስተ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ክሲ ኣይትቀበል።
Translation | Contextኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።
Translation | Context