Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ዳዊት ከኣ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ፡ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ድማ ተዐጢቑ ነበረ።
Translation | Contextንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎ፣ ብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ።
Translation | Contextሃሌሉያ። ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።
Translation | Contextንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ።
Translation | Contextብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ።
Translation | Contextነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለአለም ክውድሰካ እየ።
Translation | Contextሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር፣ ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ዘምሩ። እስራኤል ብፈጣሪኡ ይተሐጐስ፣ ደቂ ጽዮን ብንጉሶም እልል ይበሉ። ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎ፣ ብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሂግዎም እዩ እሞ፣ ንትሑታት ብምድሓን ይስልሞም። ቅዱሳን ብኽብሪ ይተሐጐሱ፣ ኣብ መደቀሲኦም እልል ይበሉ። ንሳቶም ኣብ ኣህዛብ ሕነ ንምፍዳይ፣ ህዝብታት ከኣ ንምቕጻዕ፣ ንነገስታቶም ብሰንሰለት፣ ንኽቡራቶም ብመቚሕ ሓጺን ንምእሳር፣ ነቲ ጽሑፍ ፍርዲ ኣብኣቶም ኪፍጽምዎስ፣ ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦም፣ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊውን ኣብ ኢዶም ይኹን። እዚ ንዅሎም ቅዱሳኑ ኽብሪ እዩ። ሃሌሉያ።
Translation | Contextዳዊት ድማ ንቤቱ ኺባርኽ ተመልሰ። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ንዳዊት ክትቅበሎ ወጺኣ፡ ንጉስ እስራኤልሲ፡ ከንቱ ዝዀነ ሰብ ከም ዚቕላዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣግራድ ገላዉኡ ብምቕላዑስ ሎሚ ኽንደይ ከበረ፡ በለት።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪኣቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንንጉስ ዳዊት ኪስዕስዕን ኪሰራሰርን ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ።
Translation | Contextነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ።
Translation | Contextኰነ ድማ ምስ አተዉ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮን ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላ ወጻ። እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፡ ሳኦል ሽሑ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ።
Translation | Contextነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ። ሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ።
Translation | Context