Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

david and jonathan


1ይ ሳሙኤል 18:3 | 8 Helpful votes

ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎኪዳን ተአታተዉ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 1:1-27 | 6 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመሊሱ ኣብ ጺቅላግ ክልተ መዓልቲ ምስ ገበረ። ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኰነ፡ እንሆካብ ሰፈር ሳኦል ሓደ ሰብአይ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ መጸኰነ ድማ፡ ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። ዳዊት ከኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻበሎ። ንሱ ድማ፡ ካብ ሰፈር እስራኤል ዘምለጥኩ እየበሎዳዊት ድማ፡ እቲ ነገር ከመይ ኰነ፡ በጃኻ ንገረኒበሎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ህዝቢ ኻብቲ ውግእ ሀዲሙ፡ ካብቲ ህዝቢ ድማ ብዙሓት ወደቑን ሞቱንሳኦልን ዮናታን ወዱን ከኣ ሞይቶም፡ በለ። ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ኸኣ ኸመይ ኢልካ ፈለጥካበሎእቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከኣ በለብገርሄይ ናብ ከረን ጊልቦዓ መጻእኩእንሆ ኸኣ፡ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣርከብዎንድሕሪኡ ግልጽ ኢሉ ርእዩኒ ኸኣ ጸውዓኒ። ኣነ ድማ፡ እኔኹ በልኩ። ንሱ ኸኣ፡ መን ኢኻ ንስኻ፡ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ኣማሌቃዊ እየ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ገና ህይው ከሎኹ ጨኒቑኒ አሎ እሞ፡ በጃኻ ናባይ ቀሪብካ ቕተለኒ፡ በለኒ። ኣነ ኸኣ፡ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎእቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ኣምጻእክዎ። ሽዑ ዳዊትክዳውንቱ ሒዙ ቐደደ፡ እቶም ምስኡ ዝነበረ ዂሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ። ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልንብሴፍ ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ሐዘኑሎምን በኸዩሎምንክሳዕ ምሸትውን ጾሙዳዊት ድማ ነቲ ዝገበሮ መንእሰይ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ከኣ፡ ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ፡ በለ። ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ንምቕታል ኢድካ ኽትዝርግሕሲ ኸመይ ዘይፈራህካበሎ። ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ጸዊዑቅረብ እሞ ውደቆበለ። ንሱ ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄርኣነ ቐቲለዮ፡ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስካ እዩበሎዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዚ ልቕሶታት እዚ ኣልቀሰሎምንደቂ ይሁዳ ኸኣ ደርፊ ቐስቲ ኺምህርዎም አዘዘ። እንሆ፡ እዚ ኣብቲ መጽሓፍ ጻድቕ ተጽሒፉ አሎ። ዎ እስራኤልእቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኤእቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡ ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ባህ ከይብለንሲእዚ ኣብ ጋት ኣይትንገሩኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎንውን ኣይተውርዮ። ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓዋልታ እቶም ጀጋኑዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብኤ፡ ኣብኡ ተደርብዩ እዩ እሞ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡ ኣባኹም ከኣ ናይ ዚለዐል መስዋእቲ ግርሁ ኣይኹን። ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣትካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ንድሕሪት ኣይተመልሰንሴፍ ሳኦልውን ጥራዩ ኣይተመልሰንሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶምፍቑራትን ልጉባትን ነበሩ፡ ብሞቶምውን ኣይተፋለዩንካብ ንስሪ ዚቕልጥፉካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ። ኣትን ኣዋልድ እስራኤልነቲ ዜሐጒስ ቀይህ ግምጃ ዘልበሰክንክዳውንትኽንውን ወርቂ ዝሰለመንሳኦል ብኸያሉእዞም ጀጋኑ ኸመይ ኢሎም ኣብ ማእከል ውግእ ወደቑዮናታን ኣብ በረኽትኻ ሞተ። ዎ ዮናታን ሓወይብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡ ብኣኻ እጭነቕ አሎኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ። እዞም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑአጽዋር ውግእውን ከመይ ኢሎም ጠፍኡ

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 18:1-4 | 5 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድኤነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረትዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲአ ወሰዶ፡ ናብ ቤት ኣቦኡውን ኪምለስ ኣይፈቐደሉን። ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎኪዳን ተአታተዉ። ዮናታን ከኣ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ባርኖስ አውጺኡ ንዳዊት ሀቦክዳውንቱ ድማ ክሳዕ ሴፉን ቀስቱን ክሳዕ ቅናቱን ሀቦ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 18:1 | 4 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድኤነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረትዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 1:26 | 4 Helpful votes

ዮናታን ሓወይብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡ ብኣኻ እጭነቕ አሎኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 20:1-42 | 4 Helpful votes

ዳዊት ከኣ ካብ ናዮት ናይ ራማ ሀዲሙ ናብ ቅድሚ ዮናታን መጺኡ፡ ኣቦኻ ኸምዚ ገይሩ ንህይወተይ ዚደልያ ዘሎስ፡ እንታይ ገይረ እየ፧ ኣበሳይከ እንታይ እዩ፧ ሓጢኣተይሲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ ያእ እዝስ የርሕቆኣይትመውትን። እንሆ፡ ኣቦይሲ ዓብዪ ነገር ኰነ ንእሽቶ ነገር ንኣይ ከይነገረ ዚገብሮ የብሉን፡ ስለምንታይ ደኣ ኣቦይ እዚ ነገር እዚ ይሐብአለይ፧ እዝስ ዘይከውን እዩ፡ በሎዳዊት ግና መሊሱ፡ ኣቦኻ፡ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ፡ ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዚ ኣይፍለጥይብል፡ ግናኸ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው እያ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጉምቲ ጥራይ ከም ዘሎ ርግጽ እዩ፡ ኢሉ መሐለ። ሽዑ ዮናታን ንዳዊትነፍስኻ ዝደለየቶ ዘበለ ኽገብረልካ እየ፡ በሎዳዊት ከኣ ንዮናታን፡ እንሆ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ ኣነ ድማ ክበልዕ ምስ ንጉስ ኮፍ ክብል ይግብኣኒ እዩ፡ ግናኸ ክሳዕ ምሸት እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ መሮር ክሕባእ እኺድ ሕደገኒ። ኣቦኻ እንተ ሰአነኒ፡ ንብዘለዉ ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ አለዎም እሞ፡ ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ከተማኡ ኺጐዪ ኣጽኒዑ ለሚኑኒበሎ። ደሓን እንተ በለካንጊልያኻ ደሓን እዩ። ኣዝዩ እንተ ዀረየ ግና፡ ክፉእ ከም ዝመደበ ፍለጥ። እምበኣርስኸ ንጊልያኻ ምሳኻ ኺዳን እግዚኣብሄር ካብ ኣእቶኻዮንጊልያኻ ምሕረት ግበረሉኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ግና፡ ስለምንታይ ናብ ኣቦኻ ተብጽሓኒ፡ ባዕልኻ ቕተለኒ፡ በሎ። ዮናታን ከኣ፡ እዝስ ካባኻ ይርሐቕ፡ ካብ ኣቦይ ክፉእ ከም እተመደበካ እንተ ደኣ ፈሊጠስ፡ ኣነኸ ኣይነግረካንዶ እየ፧ በለ። ሽዑ ዳዊት ንዮናታንኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደኣ፡ መን ይነግረኒበሎዮናታን ድማ ንዳዊትንዓናይ፡ ናብ መሮር ንውጻእበሎክልቲኦም ከኣ ናብ መሮር ወጹዮናታን ድማ ንዳዊት በሎእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፡ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ነቦይ ብዛዕባ ዳዊት መርሚረ፡ እንሆ ኸኣ፡ ደሓን እንተሎ፡ ሽዑ ልኢኸ እንተ ዘይነገርኩኻ፡ እግዚኣብሄር ንዮናታን ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮኣቦይ ንኽፉእካ እንተ ደለየ ግና፡ ክነግረካ እየ፡ ብደሓንካ ምእንቲ ኽትከይድ ድማ፡ ክሰደካ እየ። እግዚኣብሄር ከኣ ከምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፡ ምሳኻ ይኹን። ገና ብህይወት እንተ አልየስ ምእንቲ ኸይመውትምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይእግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ጸላእቲ ዳዊት ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ኣጥፍኤ እኳ፡ ምሕረትካ ንዘለአለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርጽ። ሽዑ ዮናታንእግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቲ ዳዊት ይድለዮ፡ ኢሉ ምስ ቤት ዳዊት ኪዳን አተወዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፡ ስለቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ ኣምሐሎ። ሽዑ ድማ ዮናታን በሎጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ እታ ምቕማጥካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትስኣን ኢኻ። ሰለስተ መዓልቲ ምስ ገበርካ ግና ቀልጢፍካ ውረድ እሞ፡ ናብታ እቲ ኽፉእ ኪግበር እተሐስበላ መዓልቲ ተሐቢእካላ ዝነበርካ ቦታ ምጻእ፡ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ተቐመጥ። ኣነ ኸኣ በቲ ጎቦኡ ንዕላማ ኸም ዝውርውርሰለስተ ፍላጻ ኽውርውር እየ። እንሆ ድማ፡ ነቲ ወዲ፡ ኪድ ነቲ ፍላጻታት ድለዮ ኢለ ኽሰዶ እየ፡ ነቲ ወዲ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻ ኽነጀውካ እዩ ዘሎ፡ ውሰዶ፡ እንተ በልክዎ፡ ሽዑ ንኣኻ ደሓን እዩ እሞ፡ ንዓ፡ ገለ ነገር የልቦን፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ነቲ መንእሰይ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክንየውካ እዩ ዘሎ፡ እንተ በልክዎ ግና፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ሰዲዱካ እዩ እሞ፡ ኪድ። ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን እተዛረብናዮ ነገር ከኣ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እዩ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ኣብ መሮር ተሐብኤ። በታ ወርሒ እትወጸላ ኸኣ ንጉስ ኪበልዕ ኣብ መአዲ ተቐመጠንጉስ ድማ ከም ልማዱ ኣብ መንበሩ፡ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዘሎ መንበር ተቐመጠዮናታን ከኣ ተንስኤኣብኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ምቕማጥ ዳዊት ከኣ ጥራያ ነበረት። ሳኦል ግና፡ ገለ ረኺብዎ እዩ፡ ኣይነጽሄን፡ ብርግጽ ኣይነጽሄን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ እኳ ኣይተዛረበን፡ ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እታ ወርሒ እትወጸላ፡ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ እታ ምቕማጥ ዳዊት ጥራያ ጸንሔት፡ ሳኦል ከኣ ንዮናታን ወዱወዲ እሴይሲ ትማሊ ዀነ፡ ሎሚ ዀነ ናብ መአዲ ዘይመጸ ስለምንታይ እዩ፧ በሎዮናታን ድማ ንሳኦል መለሰሉዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ኪኸይድ ኣጽኒዑ ለሚኑኒ፡ ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌት መስዋእቲ አሎና እሞ፡ ሓወይ ጸዊዑኒ አሎ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስምሉቚ ኢለ ኣሕዋተይ ክርኢ በጃኻ ስደደኒ በለኒ፡ ስለዚ እዩ ናብ መኣዲ ንጉስ ዘይመጸ። ሽዑ ዅራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነዲዱ፡ ኣታ ወዲ እዛ ጠዋይ ዓለወኛንነውርኻን ንነውሪ ሕፍረት ኣዴኻን ዚኸውን ንወዲ እሴይ ከም ዝሐሬኻስ ኣይፈልጥን ድየ፧ ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ፡ ንስኻ ዀነ ሓደው መንግስትኻ ኣይትጸንዕን። ሕጂ ኸኣ ንሱ ወዲ ሞት እዩ እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽአለይ፡ በሎ። ዮናታን ከኣ ነቦኡ ሳኦል፡ ስለምንታይ እዩ ዚመውት፡ እንታይከ ገይሩ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉሳኦል ድማ ኪወግኦ ዅናት ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታንኣቦኡ ንዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዝመደበፈለጠዮናታን ድማ ብዅራ ነዲዱ ኻብቲ መአዲ ተንስኤኣቦኡ ንዳዊት ስለ ዘስተሐፈሮ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፡ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወርሒ እንጌራ ኣይበልዔን። ኰነ ድማ ንጽብሒቱ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት እተሳማምዖ ናብ መሮር ወጸንእሽቶ ወዲውን ምስኡ ነበረ። ነቲ ጊልያኡ ኸኣ፡ ጕየ እሞ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላጻታት ድለዮበሎ። እቲ ወዲ ኺጐዪ ኸሎ፡ ንሱ ድማ ፍላጻ ወርዊሩ ብልዕሊኡ ኣሕለፈ። እቲ ወዲ ኣብታ ዮናታን ፍላጻ ዝውርወረላ ቦታ ምስ በጽሔዮናታን ደድሕሪ እቲ ወዲ ጸዊዑ፡ እቲ ፍላጻ ኽንየውካዶ ኣይኰነን፧ በሎዮናታን ድማ፡ ተሎ ኢልካ ቐልጥፍደው ኣይትበል፡ ኢሉ ደድሕሪ እቲ ወዲ ጨደረ። እቲ ጊልያ ዮናታን ድማ ነቲ ፍላጻታት ኣኪቡ ናብ ጐይታኡ መጸ። ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራይ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር፡ እቲ ወዲ ገለ እኳ ኣይፈለጠንዮናታን ከኣ መሳርያኡ ነቲ ጊልያኡ ሂቡኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎበሎ። እቲ ወዲ ምስ ከደ ድማ፡ ዳዊት ካብ ወገን ደቡብ ተንሲኡብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሳዕ ፍግም በለ። ንሓድሕዶም ከኣ ተሳዓዐሙ፡ ብሓደ ዀይኖምውን በኸዩ፡ ምናዳ እኳ ዳዊት ኣዝዩ በኸየ። ዮናታን ድማ ንዳዊትብሰላም ኪድ፡ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርኤይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለአለም ምስክር ይኹን፡ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተማሓሒልና ኢና፡ በሎ

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 18:1-30 | 3 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድኤነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረትዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲአ ወሰዶ፡ ናብ ቤት ኣቦኡውን ኪምለስ ኣይፈቐደሉን። ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎኪዳን ተአታተዉ። ዮናታን ከኣ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ባርኖስ አውጺኡ ንዳዊት ሀቦክዳውንቱ ድማ ክሳዕ ሴፉን ቀስቱን ክሳዕ ቅናቱን ሀቦ። ዳዊት ከኣ ሳኦል ኣብ ዝሰደዶ ዅሉ ብምስትውዓል ይወጽእ ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብ ውግእ ሓለቓ ገበሮ። ኣብ ዓይኒ ዅሉ ህዝብን ኣብ ዓይኒ ገላዉ ሳኦልን ተፈትወ። ኰነ ድማ ምስ አተዉዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮን ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላ ወጻ። እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፡ ሳኦል ሽሑ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለሳኦል ድማ ኣዝዩ ተቘጥዔ፡ እዚ ዘረባ እዚ ኸኣ ከፊኡ ተራእዮ እሞ በለንዳዊት እልፊ ሀባኦ፡ ንኣይ ድማ ሽሕ ሀባኒ፡ ደጊም መንግስቲ ጥራይ እያ ተሪፋቶ ዘላ። ሳኦል ከኣ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ጠመቶ። ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጸ፡ ኣብ ማእከል ቤት ከኣ ተነበየዳዊት ድማ ከም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። ኣብ ኢድ ሳኦል ከኣ ኵናት ነበረ። ሳኦል ድማ፡ ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣላጊበ ክቐትሎ እየ፡ ኢሉ ዅናት ወርወረ። ዳዊት ከኣ ክልተ ሳዕ ካብ ቅድሚኡ ኣግለሰእግዚኣብሄር ካብ ሳኦል ኣግለሲሱ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ሳኦል ንዳዊት ፈርሆ። ስለዚ ሳኦል ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኸኣ ይወጽእን ይአቱን ነበረ። ዳዊት ድማ ኣብ ኵሉ መገዱ ኣስተውዓሊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ። ሳኦል ድማ ኣዝዩ ኣስተውዓሊ ኸም ዝዀነ ምስ ረአየ፡ ንእኡ ፈርሆ። ብዘለዉ እስራኤልን ይሁዳን ግና፡ ኣብ ቅድሚኦም ይወጽእን ይአቱን ነበረ እሞ፡ ንዳዊት ፈተውዎሳኦል ድማ ንዳዊት፡ እንሆ፡ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኰነካ ሂበካ አሎኹ፡ ሓንትስ ጽኑዕ ወዲ ኹነለይ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ከኣ ተዋጋእበሎሳኦል ከኣ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ትኹን እምበር፡ ኢደይሲ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን፡ በለዳዊት ድማ ንሳኦልሓሙ ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ፧ ህይወተይከ እንታይ እያ፧ ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ፧ በሎ። ኰነ ኸኣ፡ ሜራብ ጓል ሳኦል፡ በታ ንዳዊት እትምርዐወላ ጊዜ፡ ንሳ ንዓድርኤል፡ እቲ መሖላታዊሰበይቲ ኽትኰኖ ተዋህበትሚካል ጓል ሳኦልንዳዊት ፈተወቶ፡ እዚ ንሳኦል ነገርዎ፡ እቲ ነገር ከኣ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣበሎሳኦል ድማ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ መፈንጠራ ኽትኰኖ፡ ንእኣ ኽህቦ እየ፡ በለ። ስለዚ ሳኦል ንዳዊትሎሚውን ካልኣይ ሳዕ ሓሞይ ክትከውን ኢኻ፡ በሎሳኦል ከኣ ነቶም ገላዉኡንዳዊት፡ እንሆ፡ ንጉስ ብኣኻ ባህ ኢልዎ አሎ፡ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ፈትዮምኻ አለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ሓሙ ንጉስ ኩን፡ ኢልኩም ብሕቡእ ተዛረብዎኢሉ ኣዘዞም። እቶም ገላዉ ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ እዝኒ ዳዊት ተዛረቡ። ዳዊት ከኣ፡ ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብአይ ክነሰይ፡ ሓሙ ንጉስ ምዃንሲ ንእሽቶ ነገርዶ ይመስለኩም አሎ፡ በለ። እቶም ገላዉ ሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ከምዚ ዝበለ ዘረባ ተዛሪቡኢሎም ነገርዎሳኦል ድማ በለንዳዊት ከምዚ በልዎ፡ ኣብቶም ጸላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኺፈድስ፡ ንጉስ፡ በጀካ ሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያንዚደልዮ ብልዒት የብሉን። ሳኦል ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬውድቖ ሐሲቡ ነበረ። እቶም ገላዉኡ ኸኣ እዚ ዘረባ እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፡ ሽዑ ሓሙ ንጉስ ኪኸውን ነገሩ ንዳዊት ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮ። ገና እተን መዓልትታት ከይአኸላ ድማ፡ ዳዊት ተንሲኡ፡ ንሱ ምስ ሰቡ ኸይዱ ኻብ ፍልስጥኤማውያን ክልተ ሚእቲ ሰብ ቀተለዳዊት ከኣ ሓሙ ንጉስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ዕልቦኦም ኣምጽኤ፡ ብምሉእ ቊጽሮም ድማ ንንጉስ ኣወፈየ። ሳኦል ከኣ ጓሉ ሚካል ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ። ሳኦል ድማ እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎ ረአየን ፈለጠንሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ፈተወቶሳኦል ድማ ንዳዊት ኣዝዩ ፈርሆ፡ ሳኦል ምሉእ ዕድሜኡ ጸላኢ ዳዊት ኰነ። ሽዑ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ወጹ። ኰነ ድማ፡ ብዝወጹላ መጠን፡ ካብ ኵሎም ገላዉ ሳኦል ዳዊት ኣስተውዓሊ ነበረ፡ ስሙ ኸኣ ኣዝዩ ኸበረ

Translation | Context