Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ኣወዳትና ብጒብዝናኦም ከም ነዋሕቲ ኣትክልቲ ይኹኑ፣ ኣዋልድና ኸም ኣተሃናንጻ ኣዳራሽ እተወቕረ ኣዕኑድ ኵርናዕ ይኹና፣
Translation | Contextእንሆ፣ እቶም ዚምስሉ ኵላቶም፣ ከምታ ኣደ ኸምኡውን እታ ጓላ፣ ኢሎም ብኣኺ ኺምስሉ እዮም።
Translation | Contextኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲ፡ ተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን ኣዋልድ፡ ናብ ዘረባይ ኣድህባ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሓነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪ፡ በላ።
Translation | Contextኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ በላ፡ ኣቲ ጓለይ፡ ንድኻታት ኮነ፡ ንሃብታማት ደድሕሪ መንእሰይ ስለ ዘይሰዐብኪ፡ ካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ ዚበልጽ ለውሃት ጌርኪ ኢኺ እሞ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ።
Translation | Contextንጽብሒቱ ኻብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ መጻእና፡ ኣብ ቤት ፊልጶስ ወንጌላዊ፡ ካብቶም ሾብዓተስ ሓደ ዝነበረ፡ ኣቲና ኣብኣ ቐኔና። ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልዱ ነበራኦ።
Translation | Contextሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔ፡ ወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረ፡ ቃሉ ኣየፍርስ፡ ከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ዅሉ ይግበር። ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔት፡ ብገለ ማእሰር ከኣ እንተ ተኣስረት፡ ኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዔ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ኸኣ ይቑም።
Translation | Contextንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም። ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን ገይሩ፡ ንርኽሰት ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሐጸበ፡ ንደም የሩሳሌም ድማ ካብ ማእከል ምስ ኣጽረየ፡ ኣብ ጽዮን እተሐድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ የሩሳሌም ምስ ህያዋን እተጻሕፈ፡ ቅዱስ እዩ ዚበሀለሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextሎጥ ከኣ ኣብ ዞኣር ንምቕማጥ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣብ ዞኣር ደይቡ፡ ክልቲኤን ኣዋልዱ ድማ ምስኡ ኣብ ከረን ተቐመጡ። ንሱን ክልቲኤን ኣዋልዱን ኣብ በዓቲ ተቐመጡ። እታ ቦዂሪ ኸኣ ነታ ንእሽቶ፡ ኣቦና ኣሪጉ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ከም ልማድ ኵሉ ምድሪ ዜእትወና ሰብኣይ የልቦን። ንዒ፡ ነቦና ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍሲ ምስኡ ንደቅስ፡ በለታ። እሞ በታ ለይቲ እቲኣ ነቦኤን ወይኒ እስተያኦ፡ እታ በዂሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እታ በዅሪ ነታ ንእሽቶ፥ እንሆ፡ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍ፡ ንስኺ ድማ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ፡ በለታ። በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ነቦኤን ወይኒ ኣስተያኦ፡ እታ ንእሽቶ ኸኣ ከይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። ክልቲኤን ደቂ ሎጥ ከኣ ካብ ኣቦኤን ጠነሳ። እታ በዅሪ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ሞኣብ ኣውጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ሞኣባውያን እዩ። እታ ንእሽቶ፡ ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ብንዓሚ ኣጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ደቂ ዓሞን እዩ።
Translation | Contextኣዋልድ ጸሎፎሓድ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልኣድ ወዲ ማኪር ወድ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከኣ ቀረባ። ስም እተን ኣዋልዱ ድማ እዚ ነበረ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ። ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ኲሉ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለን፡ ኣቦና ኣብ በረኻ ሞተ፡ ንሱ ኸኣ ብሓጢኣቱ ሞተ እምበር፡ ኣብ ማእከል እቶም በቲ ኣኼባ ቆራሕ ናብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እተአከቡ ኣይነበረን፡ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን። ወዲ ስለ ዘይነበሮስ፡ ስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ማእከል ዓሌቱ ዚጠፍእ፡ ኣብ ማእከል ሓወቦታትና ርስቲ ሀበና፡ በላ። ሙሴ ድማ እቲ ነገረን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበን፡ እቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎ። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰብ፡ ወዲ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ እቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ። ጓል እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሀብዎም። ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሀብዎም። ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ድማ፡ እቲ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ንዚቐርቦ ዘመዱ ሀብዎ፡ ንሱ ይውረሶ። እዚ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ንደቂ እስራኤል ሕጊ ፍርዲ ይኹን።
Translation | Contextኣቦ ኻብ ወዱ፡ ወዲውን ካብ ኣቦኡ፡ ኣደ ኻብ ጓላ፡ ጓላውን ካብ ኣዲኣ፡ ሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም።
Translation | Contextኖህን ዳንኤልን እዮብን እኳ ኣባኣ እንተ ጸንሑ፣ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ንነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፉ እምበር፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ወዲ ወይስ ጓል ኣይመናገፉን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ኢደይ ናብ ኣህዛብ ኣቢለ ኸልዕል፡ ንሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ናብ ህዝብታት ከቚሞ እየ። ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሐቚፎም ኬምጽኡልኪ፡ ነዋልድኪውን ኪሕንግርወን እዮም፡
Translation | Contextኮነ ድማ። ንሃዳሳ ጓል ሓወቦኡ ኣዕብይዋ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ ኣስቴር እያ። ኣቦን ኣደን ድማ ኣይነበርዋን። እታ ጓል እቲኣ ኸኣ ኣዝያ መልክዔኛ ትርኢታ ድማ ጽብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን ኣዲኣን ምስ ሞቱ ኸኣ፡ ማርዶካይ ከም ጓሉ ጌሩ ሒዝዋ ነበረ።
Translation | Contextእቶም ዝተረፉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ሐለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ነቲኒምን ሕጊ ኣምላኽ ንምግባር ነፍሶም ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈለዩ ዅላቶምን፡ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኲሎም ፍልጠትን ምስትውዓልን ዝነበሮም፡ እዚኣቶም ምስቶም ከበርተ ኣሕዋቶም ሓቢሮም በቲ ብኢድ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እተዋህበ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ንምኻድ ድማ፡ ናይ ጐይታና እግዚኣብሄር ትእዛኣትን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን ኵሉ ኽሕልውን ኪገብርዎን፡ ንህዝብታት እታ ሃገር ድማ፡ ኣዋልድና ኣይንህብ፡ ነወዳትና ኸኣ ኣዋልዶም ኣይንውሰድ፡ ኢሎም ማሕላን መርገምን ገበሩ።
Translation | Contextጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ።
Translation | Contextብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፣ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ፣ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም።
Translation | Context