Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

dancing in church


መዝሙር 149:3 | 16 Helpful votes

ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ

Translation | Context
ኤርምያስ 31:13 | 13 Helpful votes

ሽዑ እታ ድንግል ብጓይላ ባህ ኪብላ፡ ኣጒባዝን ኣረገውትን ድማ ሐቢሮም ኪሕጐሱ እዮም። ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክምልሶን ከጸናንዖምን እየ፡ ድሕሪ ጓሂኦምውን ባህ ከብሎም እየ።

Translation | Context
መዝሙር 150:1-6 | 12 Helpful votes

ሃሌሉያንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖሃሌሉያ

Translation | Context
መዝሙር 150:4 | 11 Helpful votes

ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ።

Translation | Context
መክብብ 3:4 | 10 Helpful votes

ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ።

Translation | Context
መዝሙር 30:11 | 8 Helpful votes

ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይከለይ ፈቲሕካስደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይንዘለአለም ክውድሰካ እየ።

Translation | Context
ኤርምያስ 31:4 | 6 Helpful votes

ኣቲ ድንግል እስራኤል፡ ከም ብሓድሽ ክሀንጸኪ እየ እሞ ኽትህነጺ ኢኺ። ከም ብሓድሽ ድማ ብኸበሮ ኣጋይጽኪብሳዕስዒት ሕጉሳት ክትወጺ ኢኺ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 18:6-7 | 4 Helpful votes

ኰነ ድማ ምስ አተዉዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮን ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላ ወጻ። እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፡ ሳኦል ሽሑ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ

Translation | Context
መሳፍንቲ 11:34 | 4 Helpful votes

ይፍታሕ ድማ ናብ ሚጽጳ ናብ ቤቱ ምስ መጸ፡ እንሃ ጓሉ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ክትቅበሎ ወጸት። ሓንቲ ንሳ ጥራይ እያ ውሉዱ፡ ብጀካኣ ወዲ ወይ ጓል ኣይነበሮን።

Translation | Context
ሉቃስ 15:25 | 3 Helpful votes

እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበኰበሮን ጓይላን ሰምዔ

Translation | Context
ዘጸአት 15:1-27 | 2 Helpful votes

ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን እዚ መዝሙር እዚ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፡ ንሱ ኣዝዩ ክብ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር አሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮምእግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን እዩ፡ ምድሓን ከኣ ኰነኒ። እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከክብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡ ክብ ከብሎ እየ። እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ንሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፡ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሐሉመዓሙቕ ከደኖምከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱጐይታይየማነይትኻ ብሓይላ ኸበረትጐይታይየማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶብዕቤት ግርማኻ ንዝተንስኡካ ጨፍለቕካዮምቍጥዓኻ ስደድካ፡ ከም ሓሰር በልዓቶምብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀመሩወሓዝቲ ከኣ ከም ኵምራ ደው በሉ፡ ማያት መዓሙቕ ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ ረግኡ። እቲ ጻላኢ ኸኣ፤ ገስጊሰ ኸርክቦም እየ፡ ምርኮ ኽመቅል እየ። ነፍሰይ ከኣ ብእኦም ትጸግብሴፈይ እመልሕኢደይ ድማ ተጥፍኦምበለብንፋስካ ኣንፈስካባሕሪ ድማ ኣጐልበቦም። ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጠሐሉ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩብምስጋና እተፈራህካገባር ተኣምራትብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧ የማነይትኻ ዘርጋሕካምድሪ ወሐጠቶምነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮምህዝብታት ሰሚዖም ተምበድበዱ፡ ኣብ ፍልስጥኤም ዚነብሩ ጭንቀት ሐዞምሽዑ ሓላቑ ኤዶም ተሸበሩ፡ ነቶም ሓያላት ሞኣብ ራዕዲ ሐዞም። ኣብ ከነኣን ዚነብሩ ዅሎም መኸኹዎ እግዚኣብሄርህዝብኻ ኽሳዕ ዚሐልፍ፡ እቲ ዘጥሬኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሐልፍስምባድን ፍርሃትን ወደቖምብሓይሊ ቕልጽምካ ኸኣ ከም እምኒ ትም ይብሉ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታጐይታይ፡ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፡ ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተክሎምንእግዚኣብሄር ንወትርግ፡ ንዘለኣለም ይነግስኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተወእግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኦም መለሶደቂ እስራኤል ግና ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ሐለፉነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደትኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣንቀሎም፡ ናብ በረኻ ሹር ወጹሰለስተ መዓልቲ ኣብ በረኻ ከዱማይ ከኣ ኣይረኸቡን። ናብ ማራ ድማ መጹማይ ማራ መሪር ነበረ እሞ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባዚ ስማ ማራ ተባህለት። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴእንታይ ክንሰቲ ኢናኢሎም ኣጕረምረሙሉ። ንሱ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለእግዚኣብሄር ድማ ሓንቲ ኦም ኣርኣዮናብቲ ማይ ደርበያ፡ እቲ ማይ ከኣ መቀረኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፡ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖምበለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሐሎኻኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ። ናብ ኤሊም ድማ መጹ፡ ኣብኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ

Translation | Context