Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ።
Translation | Contextእቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ።
Translation | Contextፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።
Translation | Contextኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።
Translation | Contextከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።
Translation | Contextምስኡ ሕብረት አሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ አሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ። ምስኡ ሕብረት አሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና።
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextንኣካትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ።
Translation | Contextስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና፡ ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ ብእምነት ብኣምላኽ፡ ብትምህርቲ ጥምቀት፡ ብምንባር ኣእዳው፡ ብትንሳኤ ምዉታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ።
Translation | Context