Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
እምብኣርሲ እቲ ለምጺ ንእማን ንዘለአለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ፡ በሎ። ሽዑ ለምጻም ኰይኑ ኸም በረድ ጻዕድዩ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ።
Translation | Contextፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
Translation | Contextንኣዳም ከኣ፡ ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ እሞ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካ፡ ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።
Translation | Contextንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኲሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፥ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና።
Translation | Contextንሱ ኻባይ ዚሕይል እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ መጺእካ ነዚ ህዝቢ እዚ ኽትረግመለይ እልምነካ አሎኹ። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፡ ዝረገምካዮ ኸኣ ርጉም ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምናልባሽ ክወቕዖን ካብ ሃገር ከኣ ከውጽኦን እኽእል እየ።
Translation | Contextሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት መሮርን ርጉም ኩን፡ ብኸብድኻ ክትከይድ፡ ኵሉ ዘበን ህይወትካ ድማ መሬት ክትበልዕ ኢኻ።
Translation | Contextግናኸ ኪኸውን እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ንምግልባሩ ድማ እንተ ዘይተጠቀቕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ርጉም ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮርውን ርጉም ትኸውን። መሶብካን መልወሲኻን ርጉም ይኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ድማ ርጉም ይኸውን። ንስኻ ኣብ ምእታውካ ርጉም ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ርጉም ትኸውን። ንኣይ ሐዲግካ ኽፉእ ስለ ዝገበርካ፡ ክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካ መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰደልካ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ዜብርሰካ፡ እግዚኣብሄር ፌራ ኼልግበልካ እዩ። እግዚኣብሄር ብምምሳንን ብዓሶን ብረስንን ብዋዕን ብሴፍን ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ኪወቕዓካ እዩ፡ ክሳዕ እትበርስ ድማ፡ ኪሰጕኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ሰማይካ ኣስራዚ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ከኣ ሓጺን ክትከውን እያ። እግዚኣብሄር ዝናም ምድርካ ተጐጓን ሓመድን ኪገብሮ እዩ፡ ክሳዕ እትጠፍእ፡ ካብ ሰማይ ኪወርደካ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ተሰዓሪ ይገብረካ፡ ብሓደ መገዲ ትወጾም፡ ብሾብዓተ መገዲ ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ትሀድም፡ ናብ ኵሎም መንግስትታት ምድሪ ድማ ትዛባዕ። ሬሳታትካ ንዂሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ ዚሰጎም ከኣ የልቦን። እግዚኣብሄር ከም ዘይትፍወስ ገይሩ ብናይ ግብጺ ሕበጥን ብምጕለንጭዋን ብዓበቕን ብመበላይን ገይሩ ኸኣ ኪወቕዓካ እዩ። እግዚኣብሄር፡ ብጽለላን ብዑረትን ብስምባድ ልብን ኪወቕዓካ እዩ። ዕዉር ብጸልማት ሃሰስ ከም ዚብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብል ኢኻ፡ ኣብ መገድታትካውን ኣይቐንዓካን፡ ወርትግ ጥቑዕን ዝሙትን ትኸውን፡ ዜድሕነካ ኸኣ የልቦን። ሰበይቲ ትሕጸ፡ ግናኸ ካልእ ይድቅሳ፡ ቤት ትሰርሕ፡ ግናኸ ኣይትነብራን፡ ወይኒ ትተክል፡ ፍረ ግና ኣይትእክበሉን። ብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይሕረድ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኣድግኻ ኻብ ቅድሜኻ ይዝረፍ፡ ኣይምለሰካን ከኣ፡ ኣባጊዕካ ንጸላእትኻ ይወሀባ፡ ዚረድኣካ ኸኣ የልቦን። ኣወዳትካን ኣዋልድካን ንኻልእ ህዝቢ ይወሀቡ፡ ኣዒንትኻ ድማ ምሉእ መዓልቲ እናርኣያኦም ብሃረርታኦም ቀባሕባሕ ይብላ፡ ኣብ ኢድካ ግና ሓይሊ የልቦን። ፍረ ምድርኻን ብዘሎ ጻዕርኻን ድማ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ። ወርትግ ከኣ ጥቑዕን ጽቑጥን ትኸውን። ኣዒንትኻ ዚርእያኦ ዅሉ ነገር ብምርኣይካ ኽትጽለል ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ብሕሱም ክትሐውየሉ ዘይትኽእል ሕበጥ ኣብ ብርክኻን ኣብ ዳንጋኻን ካብ ከብዲ እግርኻ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእስኻ ኺወቕኻካ እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስካን ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰደካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕንጨይትን ንእምንን፡ ከተምልኽ ኢኻ። ኣብቶም እግዚኣብሄር ናባታቶም ዚመርሓካ ዅሎም ህዝብታት ከኣ መገረምን መመሰልን መድረፍን ትኸውን። ኣብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ተምጽእ፡ ግናኸ ኣንበጣ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ሒደት ትእክብ። ወይኒ ትተክል ትዅስኵሶ ኸኣ፡ ግናኸ፡ ሓሰኻ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይትሰትየሉን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይትእክብን። ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኣውልዕ ይዀነልካ፡ ግናኸ፡ እቲ ኣውልዕካ ኺርግፍ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይትልከን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ትወልድ፡ ግናኸ፡ ተማሪኾም ኪኸዱ እዮም እሞ፡ ንኣኻ ኣይኰኑን። ኵሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ኵብኵብታ ኺወርሶ እዩ። ኣብ ማእከልካ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ልዕሌኻ ልዕል ልዕል ይብል፡ ንስኻ ግና ንታሕቲ ንታሕቲ ትወርድ። ንሱ ኼለቅሓካ እዩ፡ ንስኻ ግና ኣይተለቅሖን፡ ንሱ ርእሲ ኪኸውን እዩ፡ ንስኻ ግና ጭራ ትኸውን። እቲ ዝአዘዘካ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ክትሕሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪሰጐካን ኬርክበካን እዩ። ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ንትእምርትን ተኣምራትን ኪዀኑ እዮም። ኵሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገግልገልካዮ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ። ቋንቋኡ ዘይትሰምዖ ህዝቢ፡ ከም ንስሪ ዚነፍር ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ናባኻ ኼምጽእ እዩ። ጨካን ዝገጹ ህዝቢ፡ ገጽ ኣረጊት ርእዩ ዘይሐፍር፡ ንናእሽቱ ድማ ዘየናሕሲ። ክሳዕ እትጠፍእ ከኣ፡ ፍረ ኸብትኻን ፍረ ምድርኻን ኪበልዕ እዩ፡ ክሳዕ ዜጥፍኣካ፡ ስርናይ ዀነ፡ ወይኒ ዀነ፡ ዘይቲ ዀነ፡ ምውላድ ላምካ ዀነ፡ ምፍራይ ኣባጊዕካ ዀነ፡ ኣይገድፈልካን እዩ። እቲ ንስኻ እትኣምኖ ነዋሕትን ጽኑዓትን መናድቕካ ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኽሳዕ ዚፈርስ፡ ብዅሉ ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዜጽብበልካ ጸባብ፡ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን፡ ፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ። ኣባኻ እቲ ቚጽይጽይ ዚብልን ብዙሕ ሕንቁቕን ሰብ ንሓዉን ነታ ኣብ ሕቚፉ እትድቅስ ሰበይቱን ነቶም ዝተረፉ ትርፊ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ፡ ካልእ ነገር ኣይተርፎን እሞ፡ ካብቲ ዚበልዖ ስጋ ውሉዱ ንሓደ ኻባታቶም ምእንቲ ኸይህብ፡ ኣባኻ እታ ቚጽይጽይ እትብልን ሕንቅቕትን፡ ብሕንቃቔአን ቚጽይጽይ ምባላን ከብዲ እግራ ምድሪ ንምርጋጽ ክትፍትን ዘይደለየት ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ኣብ ሕቚፋ ዘሎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ድማ ብኽፉእ ዓይኒ ትርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ ዅሉ ነገር ስኢና እያ እሞ፡ ነቲ ኻብ መንጎ ኣእጋራ ዝወጸ መወዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሐቢኣ ኽትበልዖም እያ። ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽትገብሮ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ ነዚ ምስጉንን መፍርህን ዝዀነ ስም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከኣ እንተዘይፈራህካ፡ እግዚኣብሄር መቕዘፍትኻን መቕዘፍቲ ዘርእኻን ዜገርም፡ ብርቱዕ፡ ዓብዪ እሞ ዚድንጒ መቕዘፍቲ፡ ሕሱም እሞ ዚድንጒ ሕማም ኪገብር እዩ። ነቲ ዝፈራህካዮ ዅሉ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኺመልሶ እዩ እሞ ኺለግበካ እዩ። ክሳዕ እትጠፍእ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕዘፍትን ኬምጽኣልካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ቐደም ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፡ ብቝጽሪ ሒደት ክትተርፉ ኢኹም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ጽቡቕ ኪገብረልኩም ኬብዝሓኩምን ብኣኻትኩም ባህ ከም ዝበሎ፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ብምጥፋእኩምን ፋሕ ብምባልኩምን ባህ ኪብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ክትምንቈሱ ኢኹም። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ህዝብታት ፋሕ ኬብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ። ኣብ ማእከል እቶም ህዝብታት እቲኦም ከኣ ህድኣት ኣይትረክብን፡ ንኸብዲ እግርኻ ድማ ዕረፍቲ የልቦን፡ ኣብኡ ግና እግዚኣብሄር ዜንቀጥቅጥ ልብን ዝሐመቐት ዓይንን ዝማህመነት ነፍስን ኪህበካ እዩ። ህይወትካ ኣብ ቅድሜኻ ጠልጠል ትብል፡ ለይትን መዓልትን ከኣ ትፈርህ፡ ብህይወትካ ኣይትእመንን። በቲ እትፈርሆ ፍርሃት ልብኻን በቲ እትርእዮ ትርኢት ዓይንኻን ብጊሓት፡ ወይ እንተ ዚመሲ ደኣ፡ ክትብል፡ ምሸት ከኣ፡ ወይ እንተ ዚወግሕ ደኣ፡ ክትብል ኢኻ። በታ፡ ደጊም መሊስካ ኣይትርእያን፡ ዝበልኩኻ መገዲ፡ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብጺ ኺመልሰካ እዩ። ኣብኡ ድማ ባሮትን ኣግራድን ክትኰኑ፡ ንርእስኹም ናብቶም ጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም። ዚዕድግ ከኣ የልቦን።
Translation | Contextኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፣ እፍ ረሲእን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፣ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፣ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፣ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ አለዉ እሞ፣ ስቕ ኣይትበል። አብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፣ ኣነ ግና እጽሊ አሎኹ። አብ ክንዲ ሰናይ እከይ፣ ኣብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒ። ረሲእ ኣብ ልዕሊኡ ኣቝመሉ፣ ተጻራሪ ኣብ የማኑ ይቑም። ምስ ተፈርደ፣ ተረቲዑ ይውጻእ፣ ጸሎቱውን ንሓጢኣት ይኹኖ። መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፣ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ። ውሉዱ ዘኽታማት ይኹኑ፣ ሰበይቱውን መበለት ትኹን። ውሉዱ እናዞሩ ይለምኑ፣ ካብተን ዝዐነዋ ኣባይቶም ርሒቖም፣ እንጌራ ይድለዩ። ንዘለዎ ዅሉ እቲ መሓረጺ ይሐዞ፣ ጓኖት ከኣ ንጻማኡ ይዝመትዎ። ዚልውሃሉ ሓደ እኳ ኣይረኸብ፣ ንዘኽታማቱ ዚርሕርሓሎም ከኣ ሓደ እኳ ኣይሀሉ። ሐድጉ ይጽነቱ፣ ስሞም ኣብ ካልኣይ ወለዶ ይደምሰስ። በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዘከር፣ ሓጢኣት ኣዲኡ ኸኣ ኣይደምሰስ። ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይኹኑ፣ መዘከርታኦም ካብ ምድሪ የጥፍኣዮ። ንመስኪንን ንድኻን ነቲ ልቡ እተሰብረን ምእንቲ ኪቐትሎም ሰጐጎም እምበር፣ ምሕረት ኪገብር ስለ ዘይሐሰበ፣ ንመርገም ፈተዋ፣ ንሳ ኸኣ መጸቶ፣ ንበረኸት ኣይበሀጋን፣ ንሳውን ረሐቐቶ። ንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድና፣ ንሳ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጡ፣ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕጽምቱ ሰረጸት። ከምቲ ዚጓናጸፈሉ ልብስን፣ ከምቲ ዅሉ ጊዜ ዚዕጠቖ ቕናትን ይኹኖ። እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ናይ ተጻረርተይን ናይቶም ኣብ ነፍሰይ ክፉእ ዚዛረቡን ፍዳ ይኹን። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ርድኣኒ፣ ጸጋኻ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣናግፈኒ። ኣነ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፣ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ቈሲሉ አሎ። ከም ዚነውሕ ጽላሎት እኸይድ፣ ከም ኣንበጣውን እስጐጕ አሎኹ። ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፣ ስጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዐበረ። መላገጺኦም ከኣ ዀንኩ፣ እንተ ረአዩኒ ርእሶም ይንቕንቑ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ርድኣኒ፣ እዚ ኢድካ ምዃኑ፣ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ኺፈልጡስ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብመጠን ጸጋኻ አናግፈኒ። ንሳቶም ይረግሙ፣ ንስኻ ግና መርቕ፣ እንተ ተንስኡ፣ ኪሐፍሩ እዮም። ባርያኻ ግና ኪሕጐስ እዩ። ተጻረርተይ ውርደት ይከደኑ፣ ንነውሮም ከኣ ከም ነጸላ ይወንዘፍዎ። ካብቶም ንነፍሱ ዚዀንንዋ ኼድሕኖስ፣ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ አሎ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።
Translation | Contextግናኸ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ እዚ ዂሉ ትእዛዛት እዚ ኸኣ እንተ ዘይገበርኩም፡ ሕጋጋተይ ድማ እንተ ነዐቕኩም እሞ ኲሉ ትእዛዛተይ ከይትገብሩ፡ ነፍስኹም ፍርድታተይ እንተ ፈንፈነት፡ ኪዳነይ ከኣ እንተ ኣፍረስኩም፡ ኣነ ድማ እዚ ኽገብረኩም እየ፡ ኣነ መሸበርን ሕዱር ሰዓልን ኣዒንቲ ዜሕምቕ ነፍሲ ኸኣ ዜድክም ዓሶን ክሰደልኩም እየ። ጸላእትኹም ኪበልዕዎ እዮም እሞ፡ ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ። ገጸይ ከኣ ናብ ልዕሌኹም ክመልስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ድማ ክትሰዐሩ ኢኹም። እቶም ዚጸልኡኹም ከኣ ኪገዝኡኹም እዮም፡ ዝሰጐጐኩም ዜልቦ ድማ ክትሀድሙ ኢኹም። በዚ ድማ ገና እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም እየ። ነቲ ትዕቢት ሓይልኹም ክሰብሮ እየ፡ ሰማይኩም ከኣ ከም ሓጺን፡ ምድርኹምውን ከም ኣስራዚ ኽገብር እየ። ምድርኹም እኽላ ኣይትህብን፡ ኦም ሃገር ከኣ ፍሬኣ ኣይትህብን እያ እሞ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ። ክትጻረሩኒ እንተ ኸድኩም፡ ክትሰምዑኒውን እንተ ዘይፈቶኹም፡ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሾብዓተ ሳዕ ክወቕዓኩም እየ። ንደቅኹም ዚዝርፉ፡ ንማልኩምውን ዜጥፍኡ፡ ንቚጽርኹም ድማ ዜውሕዱ ኣራዊት መሮር ክሰደልኩም እየ፡ መገድኹም ከኣ ይባድም። በዚ ነገርዚ እንተ ዘይተቐጻዕኩምለይ፡ ግናኸ ንኣይ ብምጽራር እንተ ተመላለስኩም፡ ኣነ ኸኣ ንኣኻትኩም ብምጽራር እመላለስ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩምውን ኣነ ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ እወቕዓኩም። ሕነ ኺዳነይ ዚፈዲ ሴፍ ድማ ኣብ ልዕሌኹም ከምጽእ እየ፡ ኣብ ከተማታትኩም ከኣ ትእከቡ፡ ናብ ማእከልኩም ድማ ፌራ እሰድድ፡ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ትወሀቡ። በትሪ እንጌራ ምስ ዝሰብረልኩም፡ ንእንጌራኹም ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ይስንክታኦ፡ እንጌራኹም ድማ ብሚዛን ይመልሳልኩም፡ በሊዕኩም ከኣ ኣይትጸግቡን። በዚ ነገርዚ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ እሞ እናተጻረርኩምኒ እንተ ኽድኩም፡ ኣነ ድማ ብቑጥዓ እናተጻረርኩኹም እኸይድ እሞ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሸብዓተ ዕጽፊ እቐጽዓኩም። ስጋ ኣወዳትኩም ክትብልዑ፡ ስጋ ኣዋልድኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም። በረኽትኹም ኤፍርስ፡ ናይ ጸሓይ ኣዕኒድኩምውን እሰብር፡ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ ሬሳ ጣኦታትኩም ክድርብዮ እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ክትፍንፍነኩም እያ። ንኸተማታትኩም ድማ በረኻ እገብረን፡ ንመቓድስኩምውን ኤፍርሰን፡ ደጊም ከኣ እቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ኣየጨንዎን። ነታ ሃገር ድማ ኣነ ኸባድማ እየ፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ጸላእትኹም ከኣ ብእኣ ኺድነቑ እዮም። ንኣኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፡ ደድሕሬኹም ድማ ሴፍ ክመልሕ እየ፡ ሃገርኩም ከኣ ክትባድም እያ፡ ከተማታትኩምውን በረኻ ይዀና። ሽዑ እታ ሃገር በቲ እትዐንወሉ ዅሉ ዘበን፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ጸላእትኹም ከሎኹም፡ ንሳ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ሽዑ እታ ምድሪ ትዐርፍ፡ ብሰናብታ ኸኣ ባህ ይብላ። እቲ ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ብሰናብትኹም ዘይዐርፈት፡ በቲ እትዐንወሉ ዂሉ ዘበን ክትዐርፍ እያ። ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ጸላእቶም ከለዉ፡ ምሽባር ናብ ልቦም ከእቱ እየ፡ ደሃይ እተነቓነቐት ቈጽሊ ኸኣ የህድሞም፡ ካብ ሴፍ ከም ዚሀድም ይሀድሙ፡ ገለ ኸይሰጐጎም ከኣ ይወድቁ። ሓደ እኳ ኸይሰጐጎም፡ ከም ኣብ ቅድሚ ሴፍ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ይወድቁ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ከኣ ክትቈሙ ኣይትኽእሉን። ኣብ ማእከል ህብታት ትጠፍኡ፡ ምድሪ ጸላእትኹም ድማ ትውሕጠኩም። እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ብኽፍኣቶም ይምህምኑ፡ ብኽፍኣት ኣቦታቶም ከኣ ምሳታቶም ይምህምኑ። በቲ ዝበደሉኒ በደሎምን፡ በቲ ዚገብርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ኪናዘዙ እዮም። ድማ ብምምልላሶም ስለ እተጻረሩኒ፡ ኣነ ኸኣ ብምምልላሰይ ተጻረርክዎም፡ ናብ ምድሪ ጸላእቶም ድማ ኣእቶኽዎም። ሽዑ እቲ ዘይግዙር ልቦም እንተ ኣትሐቱ፡ ቅጽዓት ክፍኣቶምውን እንተ ተቐበሉ፡ ኣነ ድማ እቲ ኺዳነይ ምስ ያእቆብ እዝክር፡ ኪዳነይ ምስ ይስሃቅ ድማ፡ ኪዳነይ ምስ ኣብርሃም ከኣ እዝክር፡ ነታ ሃገርውን እዝክራ። ነታ ሃገር ኪሐድግዋ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ከየለዉ ዖንያ ኸላ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ንሳቶም ከኣ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉን፡ ነፍሳቶም ከኣ ሕጋጋተይ ስለ ዝፈንፈና፡ ቅጽዓት ሓጢኣቶም ይቕበሉ። እዚ ኽነሱ እኳ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለዉ ፈጺመ ንምጥፋኦም፡ ምሳታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ንምፍራስ ኣይድርብዮምን፡ ኣይፍንፍኖምን ድማ። ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ኣውጺኤ ነቲ ምስቶም ቀዳሞት ዝአቶኽዎ ኺዳን ክዝክር እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ብኢድ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝሀበ ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕጋጋትን እዚ እዩ።
Translation | Contextኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላ። ንኣዳም ከኣ፡ ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ እሞ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካ፡ ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። እሾዅን ተዀርባን ተብቁለልካ፡ ብቝሊ መሮር ድማ ኽትበልዕ ኢኻ። ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ፡ በሎ።
Translation | Contextሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡
Translation | Contextኵሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገግልገልካዮ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ።
Translation | Context