Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ። ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዐርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሐልዉ። እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ። ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።
Translation | Contextግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።
Translation | Contextበቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ።
Translation | Contextናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም። ብፍሪኣም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዂዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ።
Translation | Contextወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም።
Translation | Contextናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ።
Translation | Contextቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።
Translation | Contextንስኻውን ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብተን ካብ ልበን ሀንዲሰን ዚንበያ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል ኣንጻረን ድማ ተነበየለን፣ ንነፍሳት ኬፈንጥራስ፣ እተን መኼዳ ንዅሉ ዅርናዕ ኣእዳው ዚሰፍያን ንዓብይን ንንእሽቶይን ኵሉ ርእሲ ድማ መጐልበቢ ዚገብራን ወይለኤን። ነፍሳት ህዝበይ ትፍንጥራ፣ ነፍሳትክንዶ ኸተድሕና ኢኽን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኢልካ ንገር። ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፌኽን፣ ነተን ብህይወት ኪነብራ ዘይግባኤን ነፍስት ከኣ ህይወተን ኣድሐንክን፣ ነቲ ሓሶት ዚሰምዕ ህዝበይ እንሐሶኽናሉ፣ ምእንቲ ዕሙዅቲ ስገምን ቈረርስ እንጌራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣሎኽን። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ ኣነ ነተን ንነፍስት ከም ኣዕዋፍ እትፍንጥራለን መኼዳታትክን ተሀንዲደየን አሎኹ፣ ካብ ቅልጽምክን ድማ ክቐደብ፣ ነተን ነፍሳት፣ እወ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዝፈንጠርክናኤን ነፍስት ሓራ ኸውጽኤን እየ። ነቲ ምጐልበቢታትክን ድማ ክቐዶ፣ ንህዝበይ ከኣ ካብ ኢድክን ከድሕኖ እየ፣ ከይተፈንጥራኦምውን ኣብ ኢድክን ኣይኪዀኑን እዮም እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነ ክትፈልጣ ኢኽን። ንልቢ እቲ ጻድቕ፣ ኣነ ኸሕዝኖ ዘይደሌኹስ፣ ንስኻትክን ብሓሶት ስለ ዘሕዘንክናኦ፣ እቲ ረሲእ፣ ካብ መገዲ ረሲኣነት ከይምለስ እሞ ከይድሕንሲ፣ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕክን፣ ስለዚ ከንቱነት ኣይክትርእያን፣ ድሕርዚ ኸኣ ትንቢት ኣይክትንበያን ኢኽን። ንህዝበይውን ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።
Translation | Contextንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።
Translation | Contextኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ከም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።
Translation | Contextንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን። ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ስጋ ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፡ እቲ መንፈስ ግና ሳላ ጽድቂ ህይወት እዩ። ናይ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ።
Translation | Contextደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ።
Translation | Contextቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።
Translation | Contextእቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ።
Translation | Contextኣብ ማእከልካ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ደጌታትካ ኺዳኑ ብምፍራሱ፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽፉእ ዚገብር እንተ ተረኽበ፡ ከይዶም ከኣ ንዘይኣዘዝክዎ ኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ እንተ ኣምለኽዎምን እንተ ሰገዱሎምን፡ እዚ እንተ ነገሩኻ እሞ እንተ ሰማዕካ፡ ኣጸቢቕካ መርምር፡ ከምዚ ዝበለ ጽያፍ ኣብ እስራኤል ከም እተገብረ፡ ነገሩ ርግጽ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ሽዑ ነቲ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ናብ ደጌታትካ ኣውጽኣዮ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ወይ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ኺሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተሎም።
Translation | Context