Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።
Translation | Contextንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ግረፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ። ብሸቦጥ ትገርፎ እሞ፡ ንነፍሱ ኻብ ሲኦል ተድሕና።
Translation | Contextንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ።
Translation | Contextንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍር።
Translation | Contextኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ዀነ፡ ኺፍረዱውን ናብ ፍርዲ እንተ መጹ፡ ነቲ ቕኑዕ ናጻ የውጽእዎ፡ ነቲ በዳሊ ኸኣ ይፍረድዎ። ይኸውን ድማ፡ እቲ በደለኛ መግረፍቲ ዚግብኦ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ፈራዲ ናብ ምድሪ ኣውዲቑ፡ ከም በደሉ ልክዕ ብቚጽሪ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ። ኣርብዓ ይግረፎ፡ ሓለፋ እቲ ቚጽሪ ኣብዚሑ እንተ ገረፎ፡ ሓውካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኸይሐስር ካብኡ ኣይብዛሕ።
Translation | Contextገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ።
Translation | Contextሰመርመር ዚብል ስምብራት ካብ ክፍኣት የጽሪ፡ ከምኡውን መውቃዕቲ ንውሻጠ ልቢ የጽርዮ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።
Translation | Context