Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ኣሕዋተየ፡ ከም ኣዛራርባ ሰብ እዛረብ አሎኹ፡ ነቲ ዝጸንዔ ኺዳን ሰብ እኳ ዜፍርሶ ወይስ ዚውስኸሉ የልቦን።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዮ ኼርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣብ መንጎ አተወ፡
Translation | Contextካብቶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን።
Translation | Contextሕጂ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ኪኸውንሲ፡ ንዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ። ያእቆብ ከኣ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ኪኸውን ተኸሎ። ያእቆብ ድማ ነሕዋቱ፡ ኣእማን ኣክቡ፡ በሎም። ንሳቶምውን ኣእማን ኣኪቦም ጨርሒ ጨርሑ፡ ኣብኡ ከኣ ኣብቲ ጨርሒ በልዑ። ላባን ድማ ይጋር-ሰሃዱታ ኣውጽኣሉ፡ ያእቆብ ከኣ ጋልዔድ ኣውጽኣሉ። ላባን ድማ፡ ሎሚ እዚ ጨርሒ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ይኹን፡ በለ። ስለዚ ስሙ ጋልዔድ ተባህለ። ንሓድሕድና ኻብ ዘይንርእኤ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፋቒ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ሚጽጳ ድማ ተባህለ። ነዘን ኣዋልደይ እንተ ገፋዕካየን ወይ ኣብ ልዕሊ ኣዋልደይ ካልኦት ኣንስቲ እንተ ኣእቶኻ፡ ምሳና ሰብ የልቦን፡ ርኤ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ። ላባን ድማ መሊሱ ንያእቆብ በሎ፡ እንሆ እዚ ጨርሒ፡ እንሆ እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲ ድማ፡ ኣነ ነዚ ጨርሒ እዚ ኸይሐልፈካ፡ ንስኻውን ነዚ ጨርሒ እዝን ነዚ ሓወልቲ እዝን ንኽፍኣት ከይትሐልፈኒ፡ ነዚ ጨርሒ እዚ ምስክር ይኹን፡ እዚ ሓወልቲ እዚውን ምስክር ይኹን። ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናሆርን፡ ኣምላኽ ኣቦኦም፡ ኣብ መንጎና ይፍረድ። ያእቆብ ድማ በቲ ፍርሃት ኣቦኡ ይስሃቅ መሐለ። ያእቆብ ኣብቲ ኸረን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኤ፡ ነሕዋቱ ኸኣ እንጌራ ኺበልዑ ጸውዖም። እንጌራ በሊዖም ድማ ኣብቲ ኸረን ሐደሩ።
Translation | Contextእያሱ ድማ ምሳታቶም ሰላም ገበረ፡ ብህይወቶም ኪሐድጎም ከኣ ኪዳን አተወሎም። ሹማምቲ እቲ ኣኼባውን መሐሉሎም።
Translation | Contextነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ።
Translation | Contextሰባት በቲ ኻብኦም ዚዓቢ እዮም ዚምሕሉ እሞ፡ እቲ ማሕላ ኸኣ መጽንዒ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ምጕቶም ይውድአሎም እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር ኣየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡ ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡ እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር፡ ሓሶት ዚዛረባ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ።
Translation | Contextኣብ መጽሓፍ ጽሒፈ ኸኣ ሐተምክዎ፡ ምስክር ጸዊዔ ድማ ነቲ ገንዘብ ብሚዛን መዘንኩሉ። ነታ መጽሓፍ መሸጣ፡ ነታ ኸም ሕግን ውዑልን ኰይና እተሐትመትን ነታ እተቐልዔትን ወሲደ፡ እታ መጽሓፍ መሸጣ ንባሩኽ፡ ወዲ ኔርያ ወዲ ማህስያ፡ ኣብ ቅድሚ ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን ናብ ቅድሚ እቶም ኣብ መጽሓፍ መሸጣ እተጻሕፉ ምስክርን ኣብ ቅድሚ ዂሎም እቶም ኣብ ወገፈ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን ሀብክዎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣኣ ኣባይትን ግርሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከም ብሓድሽ ኪሻየጡ እዮም፡ ይብል አሎ እሞ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እዘን ጽሑፋት እዚኤን፡ እታ ሕትምቲ መጽሓፍ መሸጣን እታ ቕልዕቲ መጽሓፍን ወሲድካ፡ ብዙሕ መዓልትታት ምእንቲ ኺዕቈርሲ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣይብል አሎ፡ ኣንብሮ፡ ኢለ ንባሩኽ ኣብ ቅድሚኦም አዘዝክዎ።
Translation | Contextንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።
Translation | Contextሰብ ንእግዚኣብሄር በደል ብምብዳሉ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ብጻዩ ዘንበረሉ ሕድሪ ብምጥላሙ፡ ወይ ኣብ ኢዱ ብዘትሓዞ፡ ወይ ገለ ብዝኸተሮ ወይ ብዝዐመጾ፡
Translation | Contextነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።
Translation | Contextሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡
Translation | Context