Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

contacting the dead


ዘሌዋውያን 19:31 | 12 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

Translation | Context
ኢሳይያስ 8:19 | 8 Helpful votes

ነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ፧ ኢልኩም ምለሱሎም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:6 | 8 Helpful votes

ናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:1 | 8 Helpful votes

በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶምንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ።

Translation | Context
መክብብ 9:5 | 6 Helpful votes

ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምውታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡንመዘከርትኦም ተረሲዑ እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን።

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-14 | 6 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን። እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:14 | 5 Helpful votes

ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 115:17 | 4 Helpful votes

ምውታትን ናብ ስቕ ምባል ዝወረዱ ዅሎምን ንእግዚኣብሄር ኣየመስግንዎን እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 146:4 | 3 Helpful votes

ትንፋሱ ይወጽእ፣ ናብ መሬት ይምለስ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ

Translation | Context
ዘዳግም 18:10 | 3 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ

Translation | Context