Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

confrontation


ማቴዎስ 18:15-20 | 41 Helpful votes

ሓውካ እንተ በደለካኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውንብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ገላትያ 6:1 | 15 Helpful votes

ኣሕዋተየሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያንብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 6 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 2:11-14 | 6 Helpful votes

ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ ግና፡ ተኸሲሱ ነበረ እሞ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ከይመጹ፡ ምስ ኣህዛብ ሐቢሩ ይበልዕ ነበረ፡ ምስ መጹ ግና፡ ንሰብ ግዝረት ፈሪሁ ኣግለሰ፡ ርእሱውን ፈለየ። እቶም ዝተረፉ ኣይሁድውን ምስኡ ተገበዙበርናባስ እኳ በቲ ግዝብንዝኦም ክሳዕ ዚሰሐብ ኰነ። ከምቲ ሓቂ ወንጌል ብቕንዕና ዘይምምልላሶም ምስ ርኤኹ ግና፡ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም በልክዎ፡ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ብናይ ኣይሁድ ዘይኰነስ ብንብረት ኣህዛብ ካብ እትህሉ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ነቶም ኣህዛብ ብንብረት ኣይሁድ ኪህልዉ ብግዲ ትብሎም አሎኻ፡

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:2 | 3 Helpful votes

ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕክትገንሕክትቀጽዕክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:1-29 | 3 Helpful votes

ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስእቲ ጻድቕ፡ እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበርብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን። ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎናከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላንእቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸምኣብኡ ኸም ዘሎናበዚ ኢና እንፈልጥእቲኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብልከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ። ፍቁራተየእቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ብሉይ ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ብሉይ ትእዛዝ እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። ከም ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞእቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ አሎ። ኣብ ብርሃን አሎኹዚብልንሓዉ ኸኣ ዚጸልእክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎእቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብርመዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦንእቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎኣብ ጸልማትውን ይመላለስጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። ደቀየሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሐዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታትነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞእጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞእጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ቈልዑነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞጽሒፈልኩም አሎኹ። ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋፍቕሪ ኣቦ የብሉንኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትንእዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበርካብ ኣቦስ ኣይኰነንዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣእቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብርደቀየእዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያከምቲእቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥካባና ወጺኦምግናኸ ካባና ኣይነበሩንካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኵላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀድ እዮም ዝወጹንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ አሎኹምንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም እየ ዝጸሐፍኩልኩም እምበር፡ ስለ ዘይትፈልጥዋስ ኣይኰንኩን፡ ኵሉ ሓሶትውን ካብ ሓቂ ኣይኰነንእቲ ንየሱስንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸመን እዩ እቲ ሓሳዊእቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶምንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስነቲ ወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዅሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉንነቲ ወዲ እተኣመነ ግናእቲ ኣቦ አለዎንስኻትኩምሲእቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበርእቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑስንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩምንስኻትኩምሲከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። ሕጂ ድማደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎትብዓት ምእንቲ ኽንረክብብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሐፍርስብእኡ ንበሩንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውንፍለጡ

Translation | Context
ያእቆብ 1:1-27 | 2 Helpful votes

ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም አሎ። ኣሕዋተየበበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩምንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ። ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምንክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። እቲ ለጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ። እቲ ሃብታምውንከም ዕምባባ ሳዕሪ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ። ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኺሐርር እዩ። ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበልነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰትንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይኣይትስሐቱጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድበዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደናፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎገበርቲ ቓል ኩኑርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:3-5 | 2 Helpful votes

ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒትብሎእንሆጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ።  ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:17-18 | 2 Helpful votes

ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮንብጻይካስ፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ከይትጸውርኣጸቢቕካ ግንሓዮንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምንንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎኣነ እግዚኣብሄር እየ

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 3:14-15 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበርሉ። ግናኸ ከም ሓዉ ደኣ ምዓድዎ እምበር፡ ከም ጸላኢ ኣይትቝጸርዎ

Translation | Context
ቲቶስ 2:15 | 2 Helpful votes

እዚ ብዅሉ ስልጣን ንገርን ምዓድን ግናሕንሓደ እኳ ኣይንዓቕካ

Translation | Context
ሉቃስ 17:3 | 2 Helpful votes

ንርእስኹም ተጠንቀቑሓውካ እንተ በደለካግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕሰሕደገሉ

Translation | Context