Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።
Translation | Contextንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ ንራሄል ዘከራ። ኣምላኽ ከኣ ሰምዓ እሞ ማሕጸና ኸፈተላ።
Translation | Contextይስሃቅ ድማ፡ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ፡ ምእንትኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት።
Translation | Contextኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን። ፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ።
Translation | Contextእንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።
Translation | Contextንመኻን፣ አደ ቘልዑ ገይሩ፣ ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራ። ሃሌሉያ።
Translation | Contextሓለፋ ዂሎም ህዝብታት ክትባረኽ ኢኻ። ኣባኻ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ወይ ኣብ ማልካ መኻን ኣይከውንን።
Translation | Contextእንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።
Translation | Contextመልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተራእያ በላውን፡ እንሆ፡ መኻን ኢኺ እሞ፡ ኣይወለድክን፡ ግናኸ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኹ። እምበኣር ሕጂ ወይንን ዜስክርን ከይትሰትዪ ርኹስ ዘበለውን ከይትበልዒ በጃኺ ተጠንቀቒ። እንሆ ኸኣ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሐልፎን። ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ። ሽዑ እታ ሰበይቲ መጺኣ ንሰብኣያ፡ ትርኢቱ ኸም ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኡኒ ነይሩ። ኣነ ኻበይ ከም ዝዀነ ኣይጠየቕክዎን፡ ንሱውን ስሙ ኣይነገረንን። ግናኸ፡ እንሆ፡ ክትጠንሲ ኢኺ ወዲውን ክትወድልዲ ኢኺ፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩስ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ናዝራዊ ኣምላኽ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዪ፡ ርዅስ ዘበለውን ኣይትብልዒ፡ በለኒ ኢላ ተዛረበቶ። ማኖኣ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታይ፡ እቲ ዝለአኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቈልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስ፡ በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና፡ ኢሉ ለመነ። ኣምላኽ ድማ ቃል ማኖኣ ሰምዔ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ፡ እቲ መልኣኽ ኣምላኽ መሊሱ መጸ፡ ማኖኣ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኣይነበረን። እታ ሰበይቲ ድማ ቀልጢፋ ናብ ሰብኣያ ጐይያ፡ እቲ ሓደ መዓልቲ መጺኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፡ እንሆ ተራእዩኒ፡ ኢላ ነገረቶ። ማኖኣ ኸኣ ተንሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ሰዐበ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጺኡ ድማ፡ ነዛ ሰበይቲ እተዛረብካያ ሰብኣይ ንስኻ ዲኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎ። ማኖኣ ድማ፡ ሕጂ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ስርዓት እቲ ቘልዓን ግብሩን እንታይ ኪኸውን እዩ፧ በለ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖኣ፡ እታ ሰበይቲ ኻብቲ ዝበልክዋ ዅሉ ትጠንቀቕ። ካብ ኦም ወይኒ ዚወጽእ ዘበለ ኣይትብላዕ፡ ወይንን ዜስክርን ከኣ ኣይትስተ፡ ርዅስ ዘበለውን ኣይትብላዕ፡ እቲ ዝአዘዝክዋ ዅሉ ትሐሉ፡ በሎ። ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ማሕስእ ኣብ ቅድሜኻ ኸነዳልወልካስ፡ በጃኻ ኸነጽንሓካ፡ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንማኖኣ፡ እንተ ኣጽናሕካኒውን ካብ እንጌራኻስ ኣይበልዕን እየ። ዚሐርር መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሌኻ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዕርገሉ፡ በሎ። ማኖኣ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ። ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ እቲ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ምእንቲ ኸነኽብረካስ፡ ስምካ መን እዩ፧ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ስለምንታይከ ስመይ እትሐትት፧ ንሱ መንክር እዩ፡ በሎ። ማኖኣ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፡ ኣብ ከውሒ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሽዑ ማኖኣን ሰበይቱን እናረአዩ ተኣምራት ገበረ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ሃልሃልታ ኻብ መሰውኢ ናብ ሰማይ ኪድይብ ከሎ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ሃልሃልታ መሰውኢ ደየበ። ማኖኣን ሰበይቱን እዚ ምስ ረአዩ፡ ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖእን ንሰበይቱን መሊሱ ኣይተራእዮምን። ሽዑ ማኖኣ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ፈለጠ። ማኖኣ ድማ ንሰበይቱ፡ ንኣምላኽ ርኢናዮ ኢና እሞ፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና፡ በላ። እታ ሰበይቱ ግና፡ እግዚኣብሄር ኪቐትለና እንተ ዚደልስ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ካብ ኢድና ኣይምተቐበለን፡ እዚ ዅሉውን ኣይመርኣየናን፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ዝበለ ድማ ኣይመስምዓናን፡ በለቶ። እታ ስበይቲ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ሲምሶን ሰመየቶ። እቲ ቈልዓ ድማ ዐበየ፡ እግዚኣብሄርውን ባረኾ።
Translation | Contextእንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፡ በለቶ። እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።
Translation | Contextእንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ በጽሓ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ።
Translation | Contextጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፣ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ። እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ፣ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፣ ይውረዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፣ አብኡውን ዓመጻ የልቦን።
Translation | Contextንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፡ ተመሊሶም ከኣ ናብ ቤቶም ኣብ ራማ ኣተዉ። ኤልቃና ድማ ንሰበይቱ ሃና ፈለጣ፡ እግዚኣብሄርውን ዘከራ።
Translation | Contextድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፥ ጐይታይ ንኣይ ብዝረአየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ንፍሳ ሐብኤት።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ መዓልትታት ምስ ሐለፋ፡ ሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ንሳ ኸኣ፡ ካብ እግዚኣብሄር ለሚነዮ እየ እሞ፡ ኢላ ስሙ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ።
Translation | Contextድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፥ ጐይታይ ንኣይ ብዝረአየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ንፍሳ ሐብኤት።
Translation | Context