Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ።
Translation | Contextእቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ከይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ። እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ አሎ።
Translation | Contextእቲ ህዝቢ ድማ ከም ኣጕረምረምቲ ዀነ፡ እዚ ኸኣ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተሰምዔ። እግዚኣብሄር ምስ ሰምዖ ድማ ኲራኡ ነደደ፡ ሓዊ እግዚኣብሄርውን ኣባታቶም ሃልሃል በለ፡ ነቶም ኣብ ወሰን ሰፈር ዝነበሩ ኸኣ በልዖም። እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ሙሴ ኣእወዩ፡ ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ጠፍኤ። ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኦም ስለ ዝነደደ ድማ፡ እታ ቦታ እቲኣ ታብዔራህ ተባህለት። ነቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሕውስዋስ እኽብካብ ህዝቢ ታፍላ ሐዞ። ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም በኸዩ በሉ ኸኣ፡ እንበልዖ ስጋ መን ይህበና፡
Translation | Contextብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ።
Translation | Contextእዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።
Translation | Contextከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም፡ ኣይነዕዘምዝም።
Translation | Contextሙሴ ድማ፡ እዚ እግዚኣብሄር ምሸት ስጋ ንምብላዕ፡ ብጊሓት ከኣ እንጌራ ንምጽጋብ ንኣኻትኩም ብምሃቡ እዩ ዚኸውን። እግዚኣብሄር እቲ ዘጕረምረምኩምሉ ምጕርምራም ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ንሕና እንታይ ኢና፧ ንእግዚኣብሄር ኢኹም እምበር፡ ንኣና ኣይኰንኩምን ዘጕረምረምኩምልና፡ በለ።
Translation | Contextኣነስ በቲ ዘሎኒ ይአኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ። ትሕት ምባል እፈልጥ፡ ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን፡ ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ።
Translation | Contextደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ። ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ።
Translation | Contextአብ ድንኳናቶም ኣጕረምረሙ፣ ንድምጺ እግዚኣብሄር ከኣ ኣይሰምዕዎን።
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextመከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን።
Translation | Contextንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ።
Translation | Contextካብ ከረን ሆር ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፡ ነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጽበበት። እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን፡ ነዚ ፈኲሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ከኣ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኸስዎ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ።
Translation | Contextሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።
Translation | Contextብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።
Translation | Context