Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ።
Translation | Contextገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextመጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ።
Translation | Contextወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን፡ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን።
Translation | Contextጥበበኛ እንተ ዀንካ፡ ንርእስኻ ትጠብብ፡ መላገጺ እንተ ዀንካ፡ በይንኻ ኢኻ እትስከሞ።
Translation | Contextግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሀበና፡ ንፈልጥ ኢና፡ ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።
Translation | Contextኣብ ከናፍር ለባም ሰብ ጥበብ ትርከብ፡ በትሪ ግና ንዝባን እቲ ልቢ ዜብሉ እዩ።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextእቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ፡ ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም።
Translation | Context