Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ንዅሎም ከኣ፥ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ ውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።
Translation | Contextልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።
Translation | Contextንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ።
Translation | Contextእምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ። ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ። ብጊዜኡ ንዚኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ፡ ነዚ ነገርዚ ኸኣ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን፡ ሓቂ እብል አሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡ ብእምነት ብሓቅን መምህር ኣህዛብ ንምዃን ተሸምኩ። እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ። ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ። ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። ብእምነት ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።
Translation | Contextካንዶ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራይ እየ፡ ናይ ርሑቕ ኣምላኽሲ ኣይኰንኩንዶ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኸይርእዮስ ሰብዶ ኣብ ስዉር ስፍራ ኺሕባእ ይከኣሎ እዩ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን፧ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም፣ ናባኻ ምቕራብ ስለ ዝአበየ፣ ብልባብን ብልጓምን ዚግርሑ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ።
Translation | Contextኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን። ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ፡ ኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ። ፍቁራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ብሉይ ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ብሉይ ትእዛዝ እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። ከም ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ አሎ። ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር፡ መዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። ደቀየ፡ ሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሐዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ቈልዑ፡ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር። ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ። ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኵላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀድ እዮም ዝወጹ። ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ አሎኹም፡ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም እየ ዝጸሐፍኩልኩም እምበር፡ ስለ ዘይትፈልጥዋስ ኣይኰንኩን፡ ኵሉ ሓሶትውን ካብ ሓቂ ኣይኰነን። እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ። ነቲ ወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዅሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉን፡ ነቲ ወዲ እተኣመነ ግና፡ እቲ ኣቦ አለዎ። ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑስ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ። ብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩም። ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ፡ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሐፍርስ፡ ብእኡ ንበሩ። ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ።
Translation | Contextነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ። ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩ። እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔ፡ ይዂነን።
Translation | Contextሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤልን ኵሉ ህዝብን ናብ ቤት-ኤል ደዪቦም በኸዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸት ጾሙ። ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።
Translation | Contextኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextእቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ።
Translation | Contextናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡
Translation | Context