Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ኣቱም ኣህዛብ ኵሉኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፣ ንኣምላኽ ብድምጺ ሓጐስ እልል በሉሉ።
Translation | Contextንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፣ ንሱ ንዓለም ብጽድቂ፣ ነህዛብውን ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ እሞ፣ ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑ፣ ኣኽራን ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጐስ ይዘምሩ።
Translation | Contextኣቱም ኣህዛብ ኵሉኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፣ ንኣምላኽ ብድምጺ ሓጐስ እልል በሉሉ። ልዑል እግዚኣብሄር ዜፍርህ እዩ እሞ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዓብዪ ንጉስ እዩ። ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፣ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም። ንኽብሪ ያእቆብ፣ ፈታዊኡ፣ ርስትና ኪዀነልና ይሐርየልና። [ሴላ።] ኣምላኽ ብእልልታ፣ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፣ ዘምሩ። ኣምላኽ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፣ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ። ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ነጊሱ፣ ኣምላኽ ኣብታ ቕድስቲ ዝፋኑ ይቕመጥ። መሳፍንቲ ኣህዛብሲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብርሃም ኪዀኑ ይእከቡ አለዉ። ዋልታታት ምድሪ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ንሱ ኣዝዩ ልዕል በለ።
Translation | Contextብሓጐስ ክትወጹ፡ ብሰላም ድማ ክትስነዩ ኢኹም እሞ፡ ኣኽራንን ኰረቢትን ቀቅድሜኹም እልል ኪብሉልኩም፡ ኲሎም ኣእዋም መሮርውን ኬጣቕዑልኩም እዮም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕካ፣ በእጋርካ ኰርደብደብ ስለ ዝበልካ፣ ብዅሉ ነፍስኻ ንዓቕካያ ብሃገር እስራኤል ስለ እተሐጐስካ፣
Translation | Contextእከይካ ዅሉ ጊዜ ብልዕሊኡ ዘይሐለፎ መን እዩ፡ ስለዚ ንቝስልኻ ፈውሲ የብሉን፣ መውቃዕትኻ ብርቱዕ እዩ፣ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ዅላቶም ኣእዳዎም ኣጣቕዑልካ።
Translation | Contextሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኡ ዘውዲ ደፍአሉ፡ እቲ ምስክርውን ሀቦ። ኣንገስዎን ቀብእዎን ከኣ፡ ኣእዳዎም እናኣጥቕዑ ድማ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሉ።
Translation | Contextእዮብ ኣብ ማእከልና ኣእዳው የጣቕዕ፡ ብምብዛህ ዘረባ ንኣምላኽ ይከራኸሮ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቱ ዓመጻ ይውስኽ አሎ እሞ፡ ከምቶም ረሲኣን ገይሩ ምላሽ ስለ ዝሀበስ፡ ክሳዕ ፍጻሜ ይፈተን።
Translation | Contextሰባት ኣእዳዎም የጣቕዑሉ፡ ካብ ቦታኡ እናፋጸዩ የውጽእዎ።
Translation | Contextሃሌሉያ። ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።
Translation | Contextንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎ፣ ብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ።
Translation | Contextኲሎም ሓለፍቲ መገዲ ንጓል የሩሳሌም፡ እዚኣዶ እያ እታ ፍጹም ዝመልክዓ፡ ሓጐስ ኲሉ ምድሪ እትብሀል ከተማ፧ ኢሎም ይፋጽዩላ፡ ርእሶም ይንቕንቑላ፡ ኣላጊጾም ኣእዳዎም የጣቕዑላ።
Translation | Context