Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

church leaders


ኤፌሶን 4:11-16 | 10 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ። ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ።

Translation | Context
ቲቶስ 1:5 | 5 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይምበዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ

Translation | Context
እብራውያን 13:17 | 4 Helpful votes

ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምንንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:1-16 | 4 Helpful votes

እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲጥንቁቕቀጻዕ ነፍሱኣገባብ ዚፈልጥተቐባል ጋሻንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦዘይሰክርዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡምዘይብኣስፈታው ገንዘብ ዘይኰነነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞምረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩመንቅብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲዘይሐምያጥንቁቓትብዅሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ። ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ አሎኹ፡ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ። ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸብመንፈስ ጸደቐንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ

Translation | Context