Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all8 bible verses about
ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።
Translation | Contextእንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግሁዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከአሎምን እዩ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ክትጽውዑኒ፡ መጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ። ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም። ክርከበልኩም፡ ንምምራኽኩም ክመልሶ፡ ካብ ኲሎም እቶም ናባታቶም ዝሰጐጒኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ክእክበኩም እየ። ናብቲ ኻብኡ ዘማረኽኩኹም ስፍራውን ክመልሰኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።
Translation | Contextንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን።
Translation | Contextብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። እዚ ነገርዚ እንተ አሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔ፡ ዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ እዩ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።
Translation | Context