Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
እቲ ሳድሳይውን ጽዋእ ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት ድማ መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም፡ እቲ ማዩ ነጸፈ።
Translation | Contextቍጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ከኣ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፡ ቍጽሮም ሰማዕኩ። ብራእይውን ከምኡ እቶም ኣፍራስን እቶም ተቐሚጦምዎም ዘለውን ርኤኹ። ሓውን ህያክንቶስን ዲንን ዚመስል ድርዒ አለዎም። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል፡ ካብ ኣፎምውን ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ። በቲ ኻብ ኣፎም ዝወጸ ሓውን ትክን ዲንን፡ በዘን ሰለስተ መዓት እዚኤን ሲሶ ሰብ ተቐትለ።
Translation | Contextእዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።
Translation | Contextካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃም ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም።
Translation | Contextጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።
Translation | Contextግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም።
Translation | Context