Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all28 bible verses about
እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።
Translation | Contextንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም። የሱስ ግና፡ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕደጉ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም፡ በለ። ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ።
Translation | Contextኲላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።
Translation | Contextንኣረገውቲ እቶም ደቂ ደቆም ዘውዶም እዮም፡ ንቘልዑ ኸኣ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።
Translation | Contextቈልዓ እኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀነ፡ ብግብሩ ይፍለጥ።
Translation | Contextየሱስ እዚ ምስ ረአየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም።
Translation | Contextንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘሎኻ፡ ኣሕዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙሕ ተሐጐስኩ። ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን።
Translation | Contextካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ኺድርበ ምሔሾ ነይሩ።
Translation | Contextበታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ፧ እናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ። ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ። በለ ኸኣ፡ እንተ ዘይተመለስኩም፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ። ንኽምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል። ካብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተአሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ። መዓንቀፊ ኸይ መጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓምቀፊ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ። ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ወይስ ሓንካስ ኳንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ነቛር ዃንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ፡ እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ አሎ እሞ፡ እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን፧ እንተ ረኸባ ድማ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ፡ ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጎስ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ፡ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ። የሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን። ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል። ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ፡ እልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ። ዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና፡ እቲ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ። ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ፡ ጐይታይ፡ ተዐገሰኒ፡ ኵሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ፡ ኢሉ ሰገደሉ። ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖን፡ ዕዳኡ ውን ሐደገሉ። እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበ። ሒዙ ኸኣ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ፡ ኢሉ ሐነቖ። ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ፡ ተዐገሰኒ፡ ኵሉ ኽፈድየካ እየ፡ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ። ንሱ ግና አበዮ፡ ከይዱ ድማ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ፡ ኣእሰሮ። እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩ። ከይዶም ከኣ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧ በሎ። ጐይታኡ ዀርዩ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ንዜጽብቡሉ ኣሕሊፉ ሀቦ። ነፍሲ ወከፍኩም ነን ሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።
Translation | Contextከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ።
Translation | Contextሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍር።
Translation | Contextደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።
Translation | Contextኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ፧ እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና። ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።
Translation | Contextነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ።
Translation | Contextኣምላኽ ንኖህን ንደቁን ባረኾም፡ በሎም ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ።
Translation | Contextንመኻን፣ አደ ቘልዑ ገይሩ፣ ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራ። ሃሌሉያ።
Translation | Contextኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን፡ ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ እናተዛረብኩም፡ ንደቅኹም ምሀርዎም።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታና፣ ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ። ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ሓይሊ ኣዳሎኻ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፣ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ። ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፣ ኣምሲኹም ምድቃስኩም፣ እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ። እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።
Translation | Contextኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
Translation | Contextቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ምሩኻት እቲ ጅግና እኳ ኺዝረፉ እዮም፡ ምርኮ እቲ ጨካን ከኣ ኪምለስ እዩ። ኣነ ኸኣ ንመጻርርትኺ ኽጻረሮም፡ ንደቅኺውን ከድሕኖም እየ።
Translation | Contextኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም፣ ዕድሚኦም ስለ ዝነውሐ ኸኣ፣ ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኺሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያታ ዚስሕቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ እየን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Context