Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ጓኖት፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ዝህብ፡ ሞት ይሙት፡ ህዝቢ እታ ሃገር ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። መቕደሰይ ኬርክስን ቅዱስ ስመይ ከኣ ኬሕስር፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፡ ኣነ ገጸይ ናብቲ ሰብ እቲ ኽመልስ፡ ካብ ህዝቡ ድማ ክምንቕሶ እየ። እቲ ሰብኣይ ዘርኡ ንሞሎኽ ኪህብ ከሎ፡ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከይቐትልዎ ኣዒንቶም እንተ ዐመቱ፡ ሽዑ ኣነ ናብቲ ሰብኣይ እትን ናብ ቤተ ሰቡን ገጸይ ክመልስ እየ፡ ንእኡን ነቶም ምስ ሞሎኽ ኪምንዝሩ ብምንዝርና ዚስዕብዎ ዂሎም ድማ ካብ መንጎ ህዝቦም ክምንቊሶም እየ።
Translation | Contextነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ከኣ ምእንቲ ኺውሕጥዎም፣ ኣልዒልኪ ሰዊእክዮም። ንደቀይ ሐሪድኪ፣ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፌኽዮምሲ፣ እዚ ምንዝርናኺዶ ውሒዱኪ እዩ፡
Translation | Contextነወዳቶምን ነዋልዶምን ከኣ ብሓዊ ኣሕለፍዎም፡ ዛዕጐል የውድቑን የማርቱን ድማ ነበሩ። ምእንቲ ኬዀርይዎ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር ርእሶም ሸጡ። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ብእስራኤል ኣዝዩ ዀረየ፡ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሐቖም። ብጀካ ነገድ ይሁዳ በይና ኻልእ ኣይተረፈን።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎ ህዝብታት ዝበለ ጽያፍ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ። ንሱ ድማ ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኸት መሊሱ ሰርሖ፡ ንበዓል ከኣ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ከምቲ ኣከአብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ኣስታርተ ገበረ፡ ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን። ኣብታ እግዚኣብሄር ብዛዕባኣ፡ ስመይ ኣብ የሩሳሌም ከንብር እየ፡ ዝበለ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ መሰውኢታት ሰርሔ። ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢታት ሰርሓሎም። ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፡ ብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ።
Translation | Contextአወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎም። ንጹህ ደም፣ ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፣ ኣፍሰሱ፣ ንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም፣ እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት።
Translation | Contextደቂ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ገበሩ፡ ነታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ምእንቲ ኼርክስዋ፡ ጽያፎም ኣብኣ ኣቐመጡ፡ ኣነ ከቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሐሰብክዎንሲ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ፡ በረኽቲ ቶፌት ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ሰርሑ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ለሰ ምሕራድ እምበር፡ ቶፌት ወይስ ለሰ ወዲ ሂኖም ኢሉ ዘይስመየላን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ሽዑ ኻልእ ስፍራ ስለ እተሳእነ ድማ፡ ኣብ ቶፌት ኪቐብሩ እዮም። ሬሳታት እዚ ህዝቢ እዚ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ እያዕ ዚብሎም ድማ የልቦን። እታ ሃገር እቲኣ ክትባድም እያ እሞ፡ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ድምጺ እልልታን ድምጺ ሓጐስን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ከጥፍእ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።
Translation | Contextእንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ብምንዝርናኺ ምስ ፈተውትኺ ርኽሰትኪ ስለ እተኻዕወ፣ ነውርኺ ኸኣ ስለ እተቐልዔ፣ ብሰሪ ዅሎም እቶም ፍንፉናት ጣኦታትክን፣ ብሰሪ እቶም ንኣታቶም ዝወፌኽዮም ደቅኽን፣ ስለዚ እንሆ፣ ንዅሎም እቶም ባህ ዘበሉኺ ፈተውትኽን፣ ንዅሎም እቶም ዝፈቶኽዮምን ንዅሎም እቶም ዝጸላእክዮምን ክእክቦም እየ። ካብ ኵሉ ወገን ንምጽራርኪ ኽእክቦም እየ፣ ኵሉ ዕርቃንኪ ምእንቲ ኺርእዩ፣ ንዕርቃንኪ ኣብ ቅድሚኦም ክቐልዖ እየ። ኣነውን ከምቲ ዘመውትን መፍሰስቲ ደምን እተፈርዳሉ ገይረ ኽፈርደኪ፣ ናይ ነድርን ናይ ቅንኣትን ደም ከውርደልኪ እየ።
Translation | Contextኣነ ከቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሐሰብክዎንሲ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ፡ በረኽቲ ቶፌት ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ሰርሑ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextመባእኩም ከተቕርቡ ውሉድኩም ድማ ብሓዊ ኸተሕልፉ ኸሎኹም፣ ክሳዕ ሎሚ ብዅሉ ጣኦታትኩም ትረኽሱ አሎኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ እሞከ ኣነዶ ብኣካትኩም ክሕተት እየ፡ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ብኣኻትኩም ኣይክሕተትን እየ።
Translation | Contextሽዑ ነቲ ኣብ ክንዳኡ ዚነግስ በዂሪ ወዱ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጎ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ብርቱዕ ኲራ ዀነ እሞ፡ ካብኡ ረሐቑ፡ ናብ ሃገሮም ድማ ተመልሱ።
Translation | Contextወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ዶቦም ምእንቲ ኺግፍሑስ፣ ነተን ጥኑሳት ጊልዓድ ከብደን ቀዲዶምወን እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ደቂ ዓሞን፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣትክመልስን እየ።
Translation | Contextዓይንኻን ልብኻን ብስስዕትን ብምኽዓው ንጹህ ደምም ብምግባር ግፍዕን ዓመጻን ጥራይ ትሑዝ እዩ።
Translation | Contextኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።
Translation | Context