Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድ። ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፡ ሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበር። ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦ፡ እኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ።
Translation | Contextሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ። ንጓና ደኣ ኣሕርጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ ንሓውካ ኣይተሕርጥ።
Translation | Contextካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖ።
Translation | Contextኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም።
Translation | Contextገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ።
Translation | Contextእቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም።
Translation | Contextእቲ ብዘይ ግባእ ረብሓን ሐረጣን ገንዘቡ ዜብዝሕ፡ ነቲ ንመሳኺን ዚርሕርሓሎም ይእክበሉ።
Translation | Contextደም ምእንቲ ኼፍስሱ፣ ኣባኺ ደርሆ ተቐበሉ፣ ኣኻዕበትክን ኣሕረጥክን፣ ብዓመጽ ካብ ብጻይኪ ረባሕኪ፣ ንኣይውን ረሳዕኪ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Translation | Contextእምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ።
Translation | Context