Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።
Translation | Contextየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።
Translation | Contextጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ።
Translation | Contextኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።
Translation | Contextእቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧
Translation | Contextጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።
Translation | Contextእቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ።
Translation | Contextመገዲ ኣምላኽሲ ፍጽምቲ እያ፣ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ፣ ነቶም ብእኡ ዚውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ።
Translation | Contextእቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።
Translation | Contextነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ። ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣ ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣ ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ፣ ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ፣ ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ። እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ። መገድታቱ ንሙሴ፣ ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ። እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፣ ንዅራ ደንጓዪ፣ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን፣ ንዘለአለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፣ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፣ ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሓቖ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ። ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሐልፍ እሞ፣ ከቶ ኣይትርከብን እያ፣ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ። ምሕረት እግዚኣብሄር ግና አብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለአለም ንዘለአለም ትነብር። ጽድቁ ኸኣ ነቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፣ ንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ። እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመ፣ መንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ አላ። አቱም መላእኽቱ፣ ንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ፣ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ሰራዊቱ ዅሉኹም፣ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኵሉ ግብርታቱ ኣብ ኵሉ ስፍራ ግዝኣቱ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኹ። ነፍሰየ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ።
Translation | Contextኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።
Translation | Contextከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፣ ኣበሳ ዚሐድግ፣ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ፣ ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ፣ ኵራኡ ንዘለኣለም ኣይዐቍርን። መሊሱ ይርሕርሓልና፣ ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ትድርብዮ።
Translation | Context