Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

character of god


1ይ ዮሃንስ 4:8 | 8 Helpful votes

ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 13:8 | 7 Helpful votes

የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:9 | 6 Helpful votes

ጐይታስኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:5 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉንእታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ

Translation | Context
መዝሙር 30:5 | 5 Helpful votes

ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድርንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑንእግዚኣብሄር ዘምሩሉንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:28 | 4 Helpful votes

እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርንኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧

Translation | Context
ያእቆብ 1:17 | 4 Helpful votes

ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ

Translation | Context
ገላትያ 5:22 | 3 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪሓጐስዕርቂዓቕሊለውሃትሕያውነትእምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 18:30 | 3 Helpful votes

መገዲ ኣምላኽሲ ፍጽምቲ እያ፣ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ፣ ነቶም ብእኡ ዚውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:26 | 3 Helpful votes

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒመንፈስ ቅዱስንሱ ዅሉ ኺምህረኩምዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:10 | 2 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 103:1-22 | 2 Helpful votes

ነፍሰይንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ። ነፍሰይንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣ ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስእግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ። መገድታቱ ንሙሴግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠእግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፣ ንዅራ ደንጓዪብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕንንዘለአለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፣ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥንምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፣ ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሓቖ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሐልፍ እሞ፣ ከቶ ኣይትርከብን እያ፣ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ። ምሕረት እግዚኣብሄር ግና አብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለአለም ንዘለአለም ትነብር። ጽድቁ ኸኣ ነቶም ኪዳኑ ዚሕልዉንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ። እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመመንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ አላ። አቱም መላእኽቱንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ፣ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትንንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ሰራዊቱ ዅሉኹም፣ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኵሉ ግብርታቱ ኣብ ኵሉ ስፍራ ግዝኣቱንእግዚኣብሄር ባርኹነፍሰየ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:15 | 2 Helpful votes

ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ

Translation | Context
ሚክያስ 7:18-19 | 2 Helpful votes

ከማኻ ዝበለ ኣምላኽኣበሳ ዚሐድግ፣ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ፣ ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ፣ ኵራኡ ንዘለኣለም ኣይዐቍርንመሊሱ ይርሕርሓልናንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ትድርብዮ

Translation | Context