Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
ዕጭ ናብ ሕቝፊ እዮም ዜውድቑ፡ ንመን ከም ዚበጽሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዚምድቦ።
Translation | Contextኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ ጒያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑ፡ እንጌራ ንጥበበኛታት፡ ሃብቲ ነእምሮኛታት፡ ሞገስ ንብልህታት ከም ዘይኮነሎም፡ ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም።
Translation | Contextኣነ ኣምላኽ እየ፡ ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን። ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ፡ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ፡ ምኽረይ ኪቐውም እዩ፡ ፍቓደይ ኲሉውን ክፍጽም እየ፡ ዝበልኩ ኣነ እየ።
Translation | Contextንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።
Translation | Contextኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት አሎ፣ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር እዩ።
Translation | Context