Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

celebrating christmas


ኤርምያስ 10:2-4 | 21 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱብትእምርትታት ሰማይውንኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ

Translation | Context
ሉቃስ 2:11 | 10 Helpful votes

እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ

Translation | Context
ዘዳግም 18:9 | 8 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር።

Translation | Context
ሮሜ 14:5-6 | 8 Helpful votes

እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያእቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ።

Translation | Context
ሮሜ 14:1-23 | 7 Helpful votes

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩምተቐበልዎኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩእቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያእቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርናንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትናንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትናናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮመንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎእቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔይዂነን

Translation | Context
ኢሳይያስ 9:6-7 | 6 Helpful votes

ሕጻን ተወሊዱልናወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩምመካርብርቱዕ ኣምላኽኣቦ ዘለኣለምመስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቚማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉንቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:16 | 5 Helpful votes

ደጊም ብብልዕን መስተንወይ ብምብዓል በዓላትወይ ብሰርቂ ወርሒወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 4 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
እብራውያን 5:9 | 4 Helpful votes

ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ካህናት ተሰምዩፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ኵላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም

Translation | Context
ማቴዎስ 2:16 | 3 Helpful votes

ሽዑ ሄሮዶስ ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረአየብዙሕ ኰረየ እሞ፡ ንዅሎም ሕጻናት ቤት ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታት ንዝጸንሑንካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሐተቶ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዘለዉ ልኢኹ ኣቕተለ

Translation | Context
ዮሃንስ 10:10 | 3 Helpful votes

ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ

Translation | Context
ዘጸአት 20:1-26 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበርኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕልመዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክርሹድሽተ መዓልቲ ዕየተግባርካ ዅሉ ግበርእታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየእግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳንኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብርኣይትቕተልኣይትዘሙኣይትስረቕኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክርቤት ብጻይካ ኣይትተምነሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡግዝእቱብዕራዩኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነኵሎም ህዝቢ ድማ ነጕድን ሃልሃልታን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ኪተክኽን ረኣዩእቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ኣንቀጥቀጡርሒቖም ድማ ደው በሉ። ንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢናኣምላኽ ግና፡ ምእንቲ ኸይንመውትኣይዛረበናበልዎሙሴ ኸኣ ነቶም ህዝቢሓጢያት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ፍርሃቱ ኣብ ቅድሜኹም ኪኽወን፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘበኩም እዩ ዝመጸ እሞ፡ ኣይትፍርሁበሎምእቲ ህዝቢ ኣብ ርሑቕ ቈመሙሴ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጣቓ ቐረበእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረብኩኹም፡ ባዕላትኩም ርኤኹም። ምሳይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩመሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሐርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻንኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩሉ ዅላ ቦታ ናባኻ መጺኤ ኽባርኸካ እየ። መሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ። ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲብመሳልል ኣይትደይብ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 12:4 | 2 Helpful votes

ምስ ሐዞ ኸኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኼውጽኦ ድልዩበበርባዕተ ዀይኖም ኪሕልውዎ ነርባዕተ መደብ ዓቀይቲ ኣሕሊፉ ሀቦ

Translation | Context
ኢሳይያስ 7:14 | 2 Helpful votes

ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።

Translation | Context
መዝሙር 2:1-12 | 2 Helpful votes

ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ፣ ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሐስቡነገስታት ምድሪ ይትንስኡመሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮምንመቓውሖም ንስበሮንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ። እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆምጐይታ የላግጸሎም። ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦምብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም፣ ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ፣ ይብል። እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር አሎኹ፣ እግዚኣብሄር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻኣህዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስለምነኒብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም፣ ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ። እምበአርሲ ኣቱም ነገስታትለብሙ፣ ኣቱም ፈራዶ ምድሪውንተአረሙንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግሎዎብረዓድ ከኣ ተሐጐሱኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስንወዱ ስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
መሳፍንቲ 12:1-15 | 2 Helpful votes

ሰብ ኤፍሬም ድማ ተአኪቦም ናብ ሰሜን ሐለፉንይፍታሕ ከኣ፡ እቲ ምስ ደቂ ዓሞን ክትዋጋእ ክትሐልፍ ከሎኻስ፡ ምሳኻ ክንደይድ ንኣና ዘይጸዋዕካና፡ ስለምንታይ ኢኻ፧ ቤትካ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኸነንድዳ ኢና፡ በልዎይፍታሕ ድማ፡ ኣነን ህዝበይን ምስ ደቂ ዓሞን ኣብ ብርቱዕ ምጽራር ከሎና፡ ምስ ጸዋዕኩኹም ከኣ፡ ካብ ኢዶም ኣየድሐንኩምንን። ከም ዘይተድሕኑኒ ምስ ርኤኹ ድማ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢደይ ገይረያ፡ ናብ ደቂ ዓሞን ሐለፍኩእግዚኣብሄር ከኣ ንኣታቶም ኣብ ኢደይ ሀበኒ። ስለምንታይከ ሎሚ ክትዋግኡኒ ደየብኩም፧ በሎም። ይፍታሕ ድማ ንዅሎም ሰብ ጊልዓድ ኣኽቲቱ ምስ ኤፍሬም ተዋግኤ። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቱም ሰብ ጊልዓድ፡ ካብ ኤፍሬም ሀዲምኩም ኣብ ማእከል ኤፍሬምን ኣብ ማእከል ምናሴን ኢኹም፡ ይብልዎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ጊልዓድ ንሰብ ኤፍሬም ሰዐርዎም። እቶም ጊልዓዳውያን ድማ ንኤፍሬማውያን መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሐዙሎም። ኰነ ኸኣ፡ ካብቶም ህዱማት ኤፍሬምኣሕልፉኒምስበሎም፡ እቶም ሰብ ጊልዓድ ድማ፡ ኤፍሬማዊ ዲኻ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋለይን፡ እንተ በለ፡ ንሳቶም ድማ፡ እስኪ ሺቦለት በልበልዎ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ኣቕኒዑ ምዝራብ ስለዘይከአለሲቦለትበለ። ሽዑ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሐረድዎ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኤፍሬም ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ወደቑይፍታሕ ድማ ንእስራኤል ሹድሽተ ዓመት ፈረደ። ድሕርቲ ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ሞተ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ኸተማታት ጊልዓድ ከኣ ተቐብረድሕሪኡ ኸኣ ኢብጻን በዓል ቤት-ልሄም ንእስራኤል ፈረደ። ንሱ ሰላሳ ኣወዳት ነበርዎ፡ ሰላሳ ኣዋልድ ንግዳም ኣመርዐወነወዳቱ ድማ፡ ሰላሳ ኣዋልድ ካብ ግዳም ኣእተወሎምንእስራኤል ኸኣ ሾብዓተ ዓመት ፈረደኢብጻን ድማ ሞተ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ከኣ ተቐብረብድሕሪኡ ኸኣ ኤሎን ዛብሎናዊ ንእስራኤል ፈረደ፡ ንእስራኤል ዓሰርተ ዓመት ፈረደኤሎን ዛብሎናዊ ድማ ሞተ፡ ኣብ ኣያሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ተቐብረድሕሪኡ ድማ ዓብዶንወዲ ሂሌል ጲርዓቶናዊንእስራኤል ፈረደ። ንሱ ኸኣ ሰብዓ ገልገል ኣድጊ ዚውጥሑ ኣርብዓ ደቅን ሰላሳ ደኢ ደቅን ነበርዎ። ንእስራኤል ድማ ሾሞንተ ዓመት ፈረደዓብዶንወዲ ሂሌል ጲርዓቶናዊ፡ ከኣ ሞተ፡ ኣብ ጲርዓቶንምድሪ ኤፍሬም፡ ኣብ ከረን ኣማሌቃውያን ከኣ ተቐብረ

Translation | Context
ማቴዎስ 1:1-25 | 2 Helpful votes

መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊትወዲ ኣብርሃምኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደይስሃቅ ንያእቆብ ወለደያእቆብ ንይሁዳን ንሕዋቱን ወለደይሁዳ ኸኣ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደፋሬስ ንኤስሮም ወለደኤስሮም ንኣራም ወለደኣራም ንኣሚናዳብ ወለደኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደነኣሶን ንሰልሞን ወለደሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደእዮቤድ ንእሴይ ወለደእሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደሰሎሞን ንሮብኣም ወለደሮብኣም ንኣብያ ወለደኣብያ ንኣሳ ወለደኣሳ ንእዮሳፋጥ ወለደእዮሳፋጥ ንእዮራም ወለደእዮራም ንኦዝያ ወለደኦዝያ ንእዮኣታም ወለደእዮኣታም ንኣካዝ ወለደኣካዝ ንህዝቅያስ ወለደህዝቅያስ ንምናሴ ወለደምናሴ ንኣሞን ወለደኣሞን ንእዮስያስ ወለደእዮስያስ ከኣ ብዘመን ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያን ነሕዋቱን ወለደድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያ ንሰላትኤል ወለደሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደዘርባቤል ንኣብዩድ ወለደኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደኢልያቄም ንኣዛር ወለደኣዛር ንሳዶቅ ወለደሳዶቅ ንኣኪም ወለደኣኪም ንኤልዩድ ወለደኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደኣልኣዛር ንማታን ወለደማታን ንያእቆብ ወለደያእቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዚበሀል ዘሎ የሱስ ተወለደእምበኣርሲ ዅሉ ወለዶ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ወለዶካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ። ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩኣዲኡ ማርያምን ዮሴፍ ተሐጽያ ኸላከይተራኸቡብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበትዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሓሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን። ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆመልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮከምዚ ኢሉዮሴፍ ወዲ ዳዊትእቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። እዚ ዅሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብልእንሆድንግል ክትጸንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙኣምላኽ ምሳና እዩ። ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሲኡመልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳበዅሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣንስሙ ድማ የሱስ ሰመዮ

Translation | Context