Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ።
Translation | Contextእታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን።
Translation | Contextእቶም ደቁ ድማ፡ በብታራኦም እናተዓዳደሙ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት እቲ ሓደ፡ ካልኣይ መዓልቲውን ኣብ ቤት እቲ ኻልእ ይምስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከኣ፡ ምእንቲ ምሳታቶም ኪበልዓን ኪሰትያን፡ ይጽውዕወን ነበሩ።
Translation | Contextደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም።
Translation | Contextካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ፡ ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ንፈርኦን መዓልቲ ልደቱ ነበረ እሞ፡ ንዅሎም ገለዉኡ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ንርእሲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስን ርእሲ ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ኣብ ማእከል ገላውኡ ኽብ ኣበለ። ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ናብ ኣሰላፍነቱ መለሶ፡ ንሱ ድማ እቲ ጽዋእ ኣብ ኢድ ፈርኦን ሀበ። ነቲ ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራ ግና፡ ከምቲ ዮሴፍ ዝፈትሓሎም፡ ሰቐሎ።
Translation | Contextናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረአይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገድሉ። ሳጽኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ሀብዎ።
Translation | Contextካብ መጀመርታ ነገር መወዳእትኡ ይሐይሽ፡ ካብ ዕቡይ መንፈስ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ።
Translation | Contextእቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን።
Translation | Contextሄሮድስ እተወለደላ መዓልቲ ምስ ኣብዐሉ፡ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሐጐሰቶ።
Translation | Contextምሽእቲ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ሄሮዶስ እተወልደላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዓበይቱን ንሸለቃታትን ንሹማምቲ ገሊላን ምሳሕ ገበረ።
Translation | Contextከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብጺ ኣይትግበሩ። ከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ሃገር ከነአን ድማ ኣይትግበሩ፡ ብስርዓቶምውን ኣይትመላለሱ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ንፈርኦን መዓልቲ ልደቱ ነበረ እሞ፡ ንዅሎም ገለዉኡ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ንርእሲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስን ርእሲ ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ኣብ ማእከል ገላውኡ ኽብ ኣበለ።
Translation | Contextብዝዘከርኩኹም ዘበለ ጊዜ ኣብ ኵሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዅላኩም ብሓጐስ ጸሎት እናገበርኩ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ።
Translation | Contextሄሮድስ እተወለደላ መዓልቲ ምስ ኣብዐሉ፡ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሐጐሰቶ። ሽዑ ዝደለየቶ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ። ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኣብዚ ሀበኒ፡ በለቶ። እቲ ንጉስ ጐሀየ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣብ መኣዲ መቓምጡን ግና ኪሀብዋ ኣዘዘ። ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰሪ ኣሰየፈ። እታ ርእሱ ኣብ ሒላብ ገይሮም ከኣ ነታ ጓል ሀብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩ። ከይዶም ከኣ ንየሱስ ነገርዎ።
Translation | Contextርኤ፡ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፡ ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ አሎኹ። ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ክትበዝሕን፡ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺባርኸካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ብመገዱ ኸኣ ክትከይድ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ኣነ ሎሚ እእዝዘካ አሎኹ። ግናኸ ልብኻ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ እሞ እንተ ዘይሰማዕካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግድ ከኣ እንተ ተስሐብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ እምስክረልኩም አሎኹ። ኣብታ ኽትወርሳ ዮርዳኖስ ተሳጊርካ እትኣትዋ ምድሪ መዓልትታትኩም ኣይተንውሑ። ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ አሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ። ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን፡ ንያእቆብን፡ ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትነብርሲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።
Translation | Contextምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።
Translation | Contextኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄ፡ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥ እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤት-ልሄም ንኺድ፡ ተባሃሀሉ። ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ። እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር ኣውረዩ። ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ። ማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት። እቶም ጓሶት ድማ ከምቲ እተባህለሎም፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረአይዎን ኵሉ ንኣምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ።
Translation | Contextኣብ ምድሪ ኡጽ እዮብ ዚበሀል ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዝረሐቐን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ተወሊዶምሉ ነበሩ። ጥሪቱ ድማ ሾብዓተ ሽሕ በጊዕ፡ ሰለስተ ሽሕ ገመል፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ውላድ ኣድጊ ነበረ፡ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ኲሎም ሰብ ምብራቕ ዚበልጽ ዓብዪ ነበረ። እቶም ደቁ ድማ፡ በብታራኦም እናተዓዳደሙ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት እቲ ሓደ፡ ካልኣይ መዓልቲውን ኣብ ቤት እቲ ኻልእ ይምስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከኣ፡ ምእንቲ ምሳታቶም ኪበልዓን ኪሰትያን፡ ይጽውዕወን ነበሩ። እተን ንምሳሕ ዚእከቡለን መዓልትታት ምስ ሐለፋ ኸኣ፡ እዮብ ልኢኹ ይቕድሶም ነበረ። ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ ብቚጽሪ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምሕራር የዕርግ ነበረ። እዮብ፡ እዞም ደቀይ ምናልባሽ በዲሎም፡ ንኣምላኽ ከኣ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኲሉ ጊዜ ኸምዚ ይገብር ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግና ዀነ፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ከኣ ኣብ ማእከሎም መጸ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ካባይ መጺእካ፧ በሎ። ሰይጣን ድማ፡ ንምድሪ ዘይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንባርያይ እዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ፧ በሎ። ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውን፡ እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧ ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዂሉንዶ ሐጺርካዮ ኣየሎኻን፧ ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ፡ ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ አሎ። ግናኸ፡ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዂሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ በሎ እስኪ፡ ሓንትስ ናብኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፡ ዘለዎ ዂሉ ኣብ አድካ ሂበካ እኔኹ፡ በሎ። ሰይጣን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጸ። ኰነ ድማ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ኪበልዑን ወይኒ ኺሰትዩን ከለው፡ መእወዪ ናብ እዮብ መጺኡ፡ እቶም ኣብዑር ይሕረሱ፡ እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኣቶም ይበልዓ ነበራ፡ ሽዑ ሰብ ሳባ መጺኦም ዘሚቶምዎም። ነቶም ግዙኣት ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነተን ጤለ በጊዕን ንግዙኣትን ኣንደደቶምን በልዓቶምን። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምላጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ከልዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ዀይኖም፡ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ወዲቖም ዘሚቶምወን፡ ነቶም ግዙኣውን ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጹኡ፡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኑ ይሰትዩን ነበሩ፡ ሽዑ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ፡ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና፡ ወቕዓ፡ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፡ ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። ሽዑ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ርእሱውን ላጸየ እሞ፡ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። በዚ ዂሉ እዮብ ኣይበደለን፡ ንኣምላኽውን ኣይነቐፎን።
Translation | Context