Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።
Translation | Contextቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዅሉዕ እዩ፡ ንሱ ነቶም ናብኡ ዚዕቈቡ ዋልታኦም እዩ። ከይዘልፈካ፡ ሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።
Translation | Contextካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ። ስለዚ ኣይሁድ፥ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። የሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ። ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ። የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፥ እዚዶ የዕንቅፈኩም አሎ፧ ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን። የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምዃኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም አለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።
Translation | Contextደጊም፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተመሃርኩምዎ ትምህርትታት ሐዝዎ።
Translation | Contextፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፡ ብከንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ።
Translation | Contextኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር።
Translation | Contextኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።
Translation | Context