Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ዕጭ ከኣ ኣውደቑሎም። እታ ዕጭ ድማ ናብ ማትያስ በጽሔት። ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያትውን ተቘጽረ።
Translation | Contextንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ መከራ እዚ ብሰሪ መን ከም ዚረኽበና ዘሎ ኽንፈልጥሲ፡ ንዑ ዕጭ ነውድቕ፡ ተባሃሀሉ። ዕጭ ኣውደቑ፡ እታ ዕጭውን ኣብ ዮናስ በጽሔት።
Translation | Contextዕጭ ናብ ሕቝፊ እዮም ዜውድቑ፡ ንመን ከም ዚበጽሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዚምድቦ።
Translation | Contextዕጭ ውድቕ ንባእሲ ይውድኦ፡ ንብርቱዓት ይፈላልዮም።
Translation | Contextሳኦል ድማ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ወደይ ዮናታንን ዕጭ ኣውድቑ፡ በለ። ዮናታን ከኣ ተወስደ።
Translation | Contextከም ልማድ ካህናት ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ አትዩ ዕጣን ኪዓጥን ብዕጭ በጽሖ።
Translation | Contextምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ዕጭ ኣውዲቖም፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ።
Translation | Contextብቐዳመይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸኣ ወርሒ ኒሳን፡ ንመንግስቲ ኣሓሽዌሮስ ብመበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ፡ ኣብ ቅድሚ ሃማን፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ፡ ካብ ወርሒ ንወርሒ፡ ክሳዕ ኣብ መበለ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡ ጱር፡ እዚ ማለት ዕጭ ኣውድቖ።
Translation | Contextንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፣ ንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉ።
Translation | Contextከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ረርስቶም ብዕጭ ከፈሎም።
Translation | Contextኣሮን ድማ ነቶም ክልተ ድቤላ፡ ሓደ ዕጫ ንእግዚኣብሄር፡ ሓደ ዕጫ ከኣ ንዓዛዚል ኪኸውን፡ ዕጭ የውድቐሎም።
Translation | Contextምስ ሰቐልዎ ድማ፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ፡ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዚበጽሖም ከኣ ዕጭ ኣውደቑ።
Translation | Context