Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

cannibalism


ህዝቅኤል 5:10 | 12 Helpful votes

ስለዚ ኣብ ማእከልኪ ወለዲ ንውሉዶም፣ ውሉድ ድማ ንወለዶም ኪበልዑ እዮም። ፍርዲ ኣባኺ ኽፍጽሞ፣ ዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 9:19-20 | 10 Helpful votes

እታ ሃገር ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ትነድድ፡ ህዝቢ ድማ ኣደዳ ሓዊ ይኸውን፡ ሓደ እኳ ንሓው ኣይንሕፍን። ሰብ ካብ የማን ይምንጥል ይጠሚ ኸኣ፡ ካብ ጸጋም ይውሕጥ ኣይጸግብን ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቀቅልጽሙ ስጋ ኺበልዕ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:28 | 9 Helpful votes

ገለ፡ እዝስ ንጣኦታት እተሰውኤ እዩ፡ እንተ በለኩም ግና፡ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ

Translation | Context
ዘዳግም 18:10 | 8 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ

Translation | Context
ድጒዓ 2:20 | 7 Helpful votes

ጐይታየርኤ እሞ ጠምት፡ ንመንከ ኸምዚ ገበርካዮኣንስቲዶ ፍረ ማሕጸነን ዚሐቚፋኦም ሕጻናት ይበልዓካህንን ነብይንዶ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ይሕረዱ

Translation | Context
ኤርምያስ 19:9 | 6 Helpful votes

ስጋ ኣወዳቶምን ስጋ ኣዋልዶምን ከብልዖም እየ። ብጸላእቶምን በቶም ነፍሶም ዚደልዮም ተኸቢቦም ጸቢብዎም ምስ ተጨነቑ፡ ስጋ ሓድሕዶም ኪባልዑ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 106:36-38 | 5 Helpful votes

ንጣኦታቶም ኣገልገሉ፣ ንሳቶም ከኣ መፈንጠርያ ዀንዎም። አወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎምንጹህ ደምደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምንኣፍሰሱንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም፣ እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት

Translation | Context
ሚክያስ 3:1-4 | 5 Helpful votes

ኣነ በልኩ፣ ኣቱም ኣሕሉቕ ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤልስምዑ ዀታ፣ ፍርዲ ምፍላጥሲ ኣባካትኩምዶ ኣይኰነን፧ ሰናይ እትጸልኡእከይ ከኣ እትፈትዉቈርበቶም እትቐልጥዎስ፣ ስጋኦም ካብ ኣዕጽምቶም እተዋርዱ፣ ስጋ ህዝበይ ድማ እትበልዑቈርበቶም እትቐልጥዎምዓጻጽምቶም እትሰብሩ፣ ከምቲ ኣብ ቍራዕ፣ ናብ ድስቲ ዚኣቱ ስጋ እትቘራርጽዎ ኢኹም። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኬእውዩ እዮም፣ ንሱ ግና ኣይኪመልሰሎምን። በቲ ጊዜ እቲ፣ ከምቲ ዝገብርዎ ኽፉእ ግብሮምገጽ ካብኦም ኪሕብእ እዩ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 36:13-15 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ሰብ በሊዕኪንህዝብኺ ኸኣ ውሉድ ዜብሉ ጌርክዮ ኢኺ፣ ይብሉኹም አለዉ እሞ፣ ስለዚ ድሕርዚ ሰብ ኣይክትበልዕንንህዝብኺውን ውሉድ ዜብሉ ኣይክትገብርዮን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ደጊምሲ ነውሪ ኣህዛብ ኣይክስምዓክን እየ፣ ልግጫ ህዝብታት ኣይክትጾርን፣ ድሕርዚውን ንህዝብኺ ኣይከተዐንቅፍዮምን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 28:1-4 | 3 Helpful votes

ኣሃዝ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ። ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይገበረንብመገድታት ነገስታት እስራኤል ደኣ ይኸይድ ነበረ፡ ኤረ ንሱስ ንበዓላትውን ፍሱስ ምስልታት ገበረ። ንሱ ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ከኣ ዕጣን ዐጠነ፡ ከም ጽያፍ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ገይሩ ኸኣ፡ ንደቁ ኣብ ሓዊ ኣንደዶም። ኣብ በረኽትን ኣብ ኲርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።

Translation | Context
ዘዳግም 12:30-31 | 3 Helpful votes

ካብ ቅድሜካ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኰልብዛዕባ ኣማልኽቶም ከኣ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፧ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሐትት ተጠንቀቕንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ

Translation | Context
ዘጸአት 34:15-16 | 3 Helpful votes

ደድሕሪ ኣማልኽቶም ምስ ዚምንዝሩንንኣማልኽቶም ከኣ ምስ ዚስውኡንከይዕድሙኻ እሞ ካብ መስዋእቶም ከይትበልዕኣዋልዶም ድማ ነወዳትካ ኸይትወስድ፡ እተን ኣዋልዶም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽተን ኪምንዝራ ኸለዋ ንደቅኻ ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከየመንዝራኦም፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ

Translation | Context
ዘካርያስ 12:6 | 3 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነቶም ሓላቑ ይሁዳ ኸም ርሱን ምድጃ ኣብ ማእከል ዕጨይትን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ማእከል እንዳእትን ክገብሮም እየ፣ ነቶም ብየማነ ጸጋም ከቢቦምውም ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ከኣ ኪውሕጥዎም እዮም፣ የሩሳሌም ድማ ኣብ ቦታኣ፣ ኣብ የሩሳሌም፣ ከም ብሓድሽ ሰፈር ክትከውን እያ።

Translation | Context
ዘካርያስ 11:7-9 | 3 Helpful votes

ሽዑ ነተን ኣባጊዕ ማሕረዲ፣ እወ፣ ነተን መሳኺን እታ መጓሰ ኣባጊዕ፣ ጓሴኽወንክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፣ ነታ ሓንቲ ጸጋ፣ ነታ ኣንቲ ኸኣ ስምረት ኢለ ሰሜኽወን፣ ነተን መጓሰ ኣባጊዕውን ጓሴኽወን። ነቶም ሰለስተ ጓሶት ብሓንቲ ወርሒ ኣጥፋእክዎምነፍሰይ ብኣታቶም ጸበባ፡ ነፍሶምውን ጸልኣትኒ። ኣነ ኸኣ፣ ኣይክጓስዮምን እየ፣ እታ እትመውት ትሙት፣ እታ እትጠፍእ ትጥፋእ፣ እተን ዝተርፋ ድማ ስጋ ሓድሕደን ይበላልዓበልኩ

Translation | Context
ድጒዓ 4:10 | 3 Helpful votes

ርሕሩሓት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፡ በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን።

Translation | Context